ድለ

መዓት ልሳነ ኣልቦ ሞት ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ኣብ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም መዓት ልሳነ ኣልቦ ሞት ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ኣብ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም 

መዓት ልሳነ ኣልቦ ሞት ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ኣብ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም

“ናብ ኢጣልያን ከባቢ ሃገራትን ዝኣትዉ ኣዚዮም ንሓደጋ ክቃልዑ ዝኽእሉ ሕጻናትን ከምኡ እውን እቶም ሰባት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ብዘሰጋግሩ ናይ ገበን ጒጅለታት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዑን ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ግህሰት ዝወረዶምን ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ኣለዎ

ዕለት 3 ጥቅምቲ ሕልና ዘናውጽ ሞት 368 ስደተይናታት ኣብ መዲትራኒያ ባሕሪ ዝኽሪ ታሽዓይ ዓመት፥ እቶም ተስፋ ሰኒቖም ካብ ውግእን ዓመጽን ሕሱም ድኽነትን ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንኸድሕኑ ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘጋጥሞም ስደትን መከራን ሞትን ኵሉ ዝገለጽ ትእምርቲ ኮይኑ ከም ዝተረፈን ኣብዛ ዕለት እዚኣ እውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝተፈላለዩ ተበግሶታት የሳልጥ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ሜድትራኒያ ባሕሪ ኣስታት 25 ሺሕ ስደተይናታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ሰማንያን ኣርባዕተን ሚእታዊ ካብቶም ግዳያት ብልክዕ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝሃለቑ እያቶም። ኣብ 2022 ዓ.ም. 1400 ሰባት ከም ዝሞቱን ገሊኣቶም እውን ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ይሕብር።

ካብ ላምፐዱዛ ድምጺ ሕቡራት ሃገራት ዓለም

ኣህጉራዊ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታትን ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ዛዕባ ስደተይናታት ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ትካል ከምኡ እውን ማዕከን መድሕን ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዕለት 2 ጥቅምቲ ምስ ሽማግለ ሰለስተ ጥቅምትን ምስ በርገሳውያን ውድባትን ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኢጣሊያን ሕብረት ኤውሮጳን ከም እተራኸቡን ሽማግለ 3 ጥቅምቲ “ተቐባሊት ኤውሮጳ” ብዝብል መጸውዕ ዘዳለዎ ውጥን በዘን ዓለም ሓቆፍ ትካላትን ውድባትን ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ነዚ ውጥን እዚ እውን ከም ናተን ገይረን ጎስጓስ ክገብራ ምዃነን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ መንግስታት ዝቐረበ ጻውዒት

ህጻናት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ካብ ኵናትን ዓመጽን ስደትን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ገና ይስእኑ ከም ዘለዉን እዚ ኵነት እዚ ከም ቅቡልን ልሙድን ክረአይ ከም ዘይብሉ ንዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውድብ ልእኽቲ ኣብ ኢጣሊያን ሳን ማሪኖን ቅድስቲ መንበርን ኪያራ ካርዶለቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፥ “ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ሞትን ጥፍኣትን ከህይሉ ሃገራት ኤውሮጳ ከም ሕብረት ኤውሮጳ ምስዳድ ብዘይ ሕጋዊ ከይከውን ሞትን ህልቂት ከየጋጥም ብመንግስቲ ዝምራሕ ውሑስን ስሩዕን መስመራት ዑቕባ ብምስፋሕ እቶም ሓለዋ ንምርካብ ዝመጹ ሰባት ህይወቶም ብኽብሪ ዳግማይ ኪሃንጹ ምግባር” ኣድላዪ እዩ ኢለን።

ብመንጽር እቲ ክሳብ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም መዓት ህይወት ወዲ ሰብ ምሕላውን ብስሩዕ ኣገባብ ህይወት ሰብ ንሓደጋ ከይተቓልዔ ካብ ጸገምን መከራን ምድሓን ዝብል ውሳነ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎን ደጊምና ነዘኻኽር፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጸገም ይሃሉ ሰብ ምድሓን ቀንዲ ዕላማ ክኸውን ኣለዎ፥ እተን ዘይመንግስታውያን ረድኤት ማሕበራት ኣብ ባሕሪ ተዋፊረን ኣገልግሎት ዝህባ ኵለን ነዚ ዓላማ እዚ ዝድግፋ ከም ዝኾና ኣህጉራዊ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታት ንዞባ መዲትራኒያን ወኪል ሎረንስ ሃርት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ህጹጽ ኩነታት ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ

ኣብ ኢጣሊያ ከባቢኣን ሃገራት ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕጻናት ኣተሓባባሪት ሳራ ማርተሊ እውን ብወገነን፥ “ናብ ኢጣልያን ከባቢ ሃገራትን ዝኣትዉ ኣዚዮም ንሓደጋ ክቃልዑ ዝኽእሉ ሕጻናትን ከምኡ እውን እቶም ሰባት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ብዘሰጋግሩ ናይ ገበን ጒጅለታት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዑን ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ግህሰት ዝወረዶምን ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ኣለዎ ቢለን፥ ብቑዕ ኣቀባብላ ክግበረሎምን ትምህርቲ ክረኽቡን ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ሓገዝ ረኺቦም ብሩህ መጻኢ ክህልዎም ምግባር ናይ ኵለን ሃገራት ሓላፍነት እዩ ኢለን።

03 Oct 2022, 16:22