ስደተይናታት ዘሳፈራ ክልተ ጀላቡ ዘጋጠመን ሓደጋ ዘስዓቦ ሞትን ሃለዋት ጥፍኣትን
ኣብ ግሪክ ደሴት ለስቦ ስደተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ድሕሪ ምግልባጣ ብውሕዱ 17 ስደተይናታት ከም ዝሞቱን ካለአይቲ እውን ኣብ ደሴት ክይቲራ ብዘጋጠማ ተመሳሳሊ ሓደጋ ብዙሓት ስደተይናትት ከም ዝሞቱን ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ገና ብዙሓት ካልኦት እውን ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ካብ ግሪኽ ዝወጸ ምንጪ ዜና ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ግሪኽ ደሴት ለስቦ ባሕረ ኤጅያን ስደተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምጥሓል 15 ስደተይናታት ሕይወቶም ከም ዝሰኣኑን ካልኦት ብዙሓት እውን ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ናይታ ደሴት ሓላዊ ገማግም ባሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ብሕይወቶም ዝተረፉ ከም ዝሓበርዎ እታ ጀልባ ኣርብዓ ስደተይናታት ጽዒና ከም ዝነበረት ክፍለጥ እንከሎ፡
ረቡዕ ምሸት ዕለት 5 ጥቅምቲ ካለአይቲ መርክብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ክይቲራ እቶም ዝደሓኑ ከም ዝሓበርዎ 95 ስደተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ብዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ሰማንያ ሰባት ከም ዝደሓኑን እቶም ዝተፈሩ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ብመሰረት መረዳእታ ኣህጉራዊ ናይ ስደተይናታት ጒዳይ ዝከታተል ትካል፥ ካብ ጥሪ 2022 ዓ.ም. ካብ ቱርክ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሞቱ 64 ከም ዝበጽሑን ይሕብር።