ድለ

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ህጻናት ጒዳይ ዝሓልይ ማሕበር ጥርዓን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ህጻናት ጒዳይ ዝሓልይ ማሕበር ጥርዓን  

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ህጻናት ጒዳይ ዝሓልይ ማሕበር ጥርዓን

ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ወሃቢ ቃል ኣንድረያ ያኮሚኒ፥ “ናይ ደቅና ጸገም መብዛሕቲኡ ካብቲ ናትና ናይ ዓበይቲ ጸገም እዩ ዝምንጭው” ኢሎም

ዕለት 10 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ እቲ ናይ ለምዘበን መዓልቲ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፥ መርሕ ቃል፥  መንግስታት ንመንእሰያት ዝምልከት ደገፍ ክብ ከብሉን ነዚ ጒዳይ እዚ ኵለን መንግስታውያን ተቕዋማት ከነቓቕሕን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ሕጻናት ጒዳይ ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ብምዝኽካር፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ መሰረት ብምግባር ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ወሃቢ ቃል ኣንድረያ ያኮሚኒ፥ “ናይ ደቅና ጸገም መብዛሕቲኡ ካብቲ ናትና ናይ ዓበይቲ ጸገም እዩ ዝምንጭው” ኢሎም፥ ኣብ መላእ ዓለም ንጥዕና ኣእምሮ ዝምልከት ዝወሃብ መረዳእታታት ዘሰክፍ ከም ዝኾነ፡ ካብ 10 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት እንተ ወሓደ ካብ ሸውዓተ ሓደ ብጒድለት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዝሳቐ ከም ዝኾነን ኣብ ዓለም ካብ 15 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድመኦም ንሞት ካብ ዝዳርጉ ምኽንያት ርእሰ ቅትለት ብራብዓይ ደረጃ ዝጥቀስ እዩ፥ ኣብ ድኻታት ሃገራት እውን ብጉድለት ጥዕና ኣእምሮ ዝሳቐዩ ብቑዕ ኣገልግሎት ሕክምና ስለ ዘይረኽቡ ብቐሊሉ ንዝተፈላለየ ጸገማት ይቃልዑ ምህላዎም ገሊጾም ኣብ መላእ ዓለም ንናይ ህጻናትን መንእሰያትን ደገፍ ዝውዕል ሓገዝ ክብ ምባል ነቲ ኣብ ዓለም ሎሚ እንነብሮ ዝሎና ጸገምን ጽባሕ ክህሉ ዝኽእልን ኵሉ ጸገማት ከይኽሰት ዝግበር ጻዕሪ ዘበርትዕን ጸገማት ብፍርቁ ከይሁሉ ምግባር እዩ ኢሎም።

11 Oct 2022, 16:35