ድለ

ሃይቲ፥ መንግስቲ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ዓቃቢ ሰላምን ኣኽባሪ ሕግን ሰራዊት ክለኣኽ ይሓትት ሃይቲ፥ መንግስቲ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ዓቃቢ ሰላምን ኣኽባሪ ሕግን ሰራዊት ክለኣኽ ይሓትት 

ሃይቲ፥ መንግስቲ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ዓቃቢ ሰላምን ኣኽባሪ ሕግን ሰራዊት ክለኣኽ ይሓትት

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣንቶኒዮ ጉተረሽ፥ ቀጥታዊ ስጒምቲ ዝወስድ ኣህጉራዊ ሰራዊት ናብ ሃይቲ ክለኣኽ ኣለዎ እንክብሉ ጻውዒት እውን የቕርቡ እንተሃለዉ

መራሔ መንግስቲ ሃይቲን ናይ መንግስቶም ኣባላት ኵሎም ኣብ ቅልውላው ንዘሎ ህዝብን ኣብ ሁከት ንእትርከብ ሃገሮምን ብቑዕ ምላሽ ንምሃብ ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላምን ኣኽባሪ ሕጊ ሰራዊት ክለኣኽ ይሓቱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃይቲ መራሔ መግንስቲ ኣሪኤል ሄንሪ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ መዕለቢ ዘርይረኸበ ኣዚዩ እናሰፈሔ ዝኸይድ ዘሎ ሁከትን ዓመጽ ንምውጋድ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓቃቢ ሰላም ክለኣኽ ይሓትቱ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፥ እንተዀነ ግን እቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ነቶም ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ኣው ፕሪንስ ዝርከብ ቀንዲ መዕርፎ ነዳዲ ዝዓግቱ ገበነይናታት ዓዋሉ ክቃለሱን ከጥፍእዎምን ወይ ከኣ ምስቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካብ 2004 – 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃይቲ ዝመረሖ ናይ ዕቃበ ሰላም ተልእኾ ብዝሰማማዕ ኣግባብ ጽኑዕ ተግባር ዕቃበ ስላም ዘካይድ ክኸውን ድዩ ዘለዎ ዝብል ሕቶ የለዓዕል እውን ምህላዉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሃይቲ ጠቒሱ የመላኽት።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣንቶኒዮ ጉተረሽ፥ ቀጥታዊ ስጒምቲ ዝወስድ ኣህጉራዊ ሰራዊት ናብ ሃይቲ ክለኣኽ ኣለዎ እንክብሉ ጻውዒት እውን የቕርቡ እንተሃለዉ፡ እቲ ክለኣኽ ዝሓትዎ ዘለዉ ዓቃቢ ሰላም ካበየኖት ሃገራት ዝቖመ ክኸውን ከም ዘለዎ ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ከም ዘይኮነ እዩ ዝንገር ዘሎ። እቲ መራሔ መንግስቲ ሄንሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብርቱዕ ተቓውሞ የጋጥሞ ከም ዘሎን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ከኣ ነቲ ምእታው ዓቃቢ ሰላም ዘይኮነስ ዓቃቢ ሰላም ምእታው ተስፋ ዘለዎ ኣይኮንን ብዝብል ኣመለኻኽታ ተቓውሞኦም የስምዑ ምህላዎም ናይ ሃይቲ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሕጽረት መግቢ ከም ዘሎን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከም እተቛረጸን ለበዳ ሽሮኽ እውን ከም ዘሎን ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ድሕሪ ምቕታሎም እቲ ኵነታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ከም ዘሎን ኣብ ሃይቲ ካብ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ሕዝባዊ ምርጫ ከም ዘይተኻየደን ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ እታ ኣዚያ ዝደኸይት ሃገር ከም ዝኾነት ዝንገረላ ማዕበላዊ ሕጊ ኣልቦነትን ስርዓት ኣልቦነትን ዝረኣየላን ጥምየትን ግጭትን ዝሰፍሓላን ዘላ ከቢድ ቑጠባን ፖለቲካን ቅልውላው ናይ ዝርኣየላን ሃገር ህዝቢ  ንምድሓን ውሁድ ኣህጉራዊ ሓገዝ ከም ዘድልያ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Oct 2022, 16:31