ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ተኹሲ ደው ክብል ይጽውዕ!
ላዕለዋይ ሓላፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ ትካላት ረድኤት ኣብቲ ከባቢ ድማ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ጥምየት ከም ዘጋጠሞም የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓላፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብታ ብግጭት እተሃስየ ሰሜናዊ ዞባ ኢትዮጵያ ብቝልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ ኣብ ዞባ ትግራይ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ዘብልዘ ዘሎ ግጭት ገና ይቕጽልን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትካል ልምዓት ዋና ኣመሓዳሪት ሳማንታ ፖወር ኣብቲ ፋኪ ማሃማት ዘቅረብዎ ጻውዒት ሓቢረን ብቕሉጡፍ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ክጅመር እውን ከም ዝሓተታ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መጥቓዕቲ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረባ ኣፍሊጡ።
ናይ ዓመታት ግጭት
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ኣብ መንጐ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ ምክልኻል ሓይልታት ኢትዮጵያን ካብ መወዳእታ 2020 ዓ.ም. ዝጀመረ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎን ብዙሕ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ከም እተመዛበሉን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፊቃ ክካይድ ትጽቢት ይግበር እንተ ሃለወ ዝካየደሉ ዕለት ገና ከም ዘይተወሰነ የመላኽት።
ዞባ ትግራይ እቲ ኵናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብዓቢኡ ተነጺሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ምሊዮን ዝህቢ እቲ ዞባ ካብ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ስልክን መራኸቢ ብዙሓን ወጻኢ ኮይኑ ከም ዘሎን ሕጽረት መድሃኒትን ቀረብ ክንክን ጥዕናን ክንክን ሕጻናትን መግብን ይርአ ምህላዉ እውን ካብቲ ከባቢ ዝወጹ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።