ድለ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ሃይቲ ብኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዓመጽን ትሳቐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ሃይቲ ብኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዓመጽን ትሳቐ 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ሃይቲ ብኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዓመጽን ትሳቐ

ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሃይቲ እቲ 40 ሚእታዊ ዝሽፍን ኣብቲ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝውፈ ረድኤት መግቢ ዝሙርኮስ

ሃይቲ ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ከምኡ እውን ናይ ገበን ጒጅለታት ብዝፍጽምዎ ዝተፈላለየ ዓመጽ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም እትርከብን፥ ኣብዚ እዋን እዚ ሃይቲ ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃይቲ ናብ ሕግን ስርዓትን ኣልቦነትን ህውከትን ኣብ ኣተንቆልቁልሉ ዘላ እዋን ህዝቢ መራሔ መንግስቲ ኣሪኤል ሄንሪ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ዘቕርቦ ጻውዒት እናወሰኸ ይኸይድ እታ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ኵለ መዳያዊ መሪር ቅልውላው ክሳብ ክንደይ ሓደገይና ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀይና ኵነታት እታ ሃገር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ሃይቲ ወኪል ሄለን ላ ሊመ ከም ዝገለጻ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መንግስቲ ሃይቲ ዕለት 11 መስከረም ንነዳዲ ዝህቦ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምቁራጹ ህልው ኵነታት እታ ሃገር ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ገጹ ከም ዘበለን ዋጋታት ነዳዲ ክብ ይብል ምህላዉን ሕጽረ መግቢ ይረአ ከም ዘሎን ኣባይቲ መሸጣ ዕዳጋታትን ኣባይት ንግድን ኵሉ ተዓጽዩን ናይ ህብዚ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝረአዩለን ከተማታት ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዘቋረጸ እንክሕብራ፥

ናይ ገበን ጒጅለታትን ጥሜትን      

ኣስዒበን ኣብ መንጐ እቶም ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ዘለዉ ዝተፈላለዩ  ናይ ገበን ጒጅለታት ነቶም ኣስታት ርብዒ ሚሊዮን ዝግመቱ  ብመሪር ጥምየት ዝሳቐዩ ንዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር ዝተላእከ ናይ መግቢ ረድኤት ይዘርፉ ምህላዎምን መኽዘናት ከም ዘጥቕዑን ኣብቲ ዝፍጽምዎ  መጥቓዕቲ  ዝሞቱን ዝቖስሉን ዜጋታት እውን ከም ዘለዉ ንባይቶ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከም ዝገለጻን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሃይቲ እቲ 40 ሚእታዊ ዝሽፍን ኣብቲ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝውፈ ረድኤት መግቢ ዝሙርኮስ ከም ዝኾነን ኣብ ርእሰ ከተማን ኣብተን ዓበይቲ ዝበሃላ ከተማታት ሃይቲ ብናይ ገበን ጒጅለታት ዝፍጸም ዓመጽ ልሙድ ከምዝኾነን ናይታ ሃገር መንግስትን ሓይሊ ጸጥታን ኣብ ሃይቲ ሕግን ስርዓት ኣብ ምኽባር ዘሎ ኵነታት ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር እዩ ዝብሉ እውን እንተኾነ እቲ ኣብ ክውንነት ዘሎ ግን ነዚ ዘረጋግጽ ከም ዘይኮነ ንባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ከም ዝገለጻ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 September 2022, 16:03