ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሶማላውያን ሕጻናት ኣብ ሓደጋ ጥሜት
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 77 ኣኼባ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣብ የመን ሶሪያ ፓኪስታንን ዘሎ ሕጽረት መግቢ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብቑዕ መስሊ ክህበሉ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሶማሊያ ቅልውላው መግቢ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ማእከላይን ደቡባውን ከባቢታት እታ ሃገር ናብ ከቢድ ጥምየት ክኣቱ ይኽእል ዝብል ስጋኣት ከም ዘሎን እቲ ህጹጽ ኵነታት ብቐንዱ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝምልከት ከም ዝኸውንን ቁጽሪ ናይቶም ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ክሳቐዩ ዝኽእሉ ህጻናት ድሮ ልዕሊ 500 ሺሕ ከም ዝበጽሔ እውን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ህጻናት ማሕበር ወሃቢ ቀል ጀምስ ኤልደር ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቁጽሮም ብዘሰክፍ ደረጃ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ 730 ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ቃል ኤልደር ጠቑሱ የመላኽት።
ሕጽረት መግብን ሞት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን
ጀምስ ኤልደር ኣብ ጀነቭ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ድሮ ብዙሓት ህጻንት ብስእነት መግቢ ይሞቱ ከም ዘለዉን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና ድሮ ብስእነት መግቢ ብዝሳቐዩ ቆልዑ የዕለቕልቕ ምህላዉን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢን ዝሳቐዩ ሕጻናት ነዚ ስዒቡ ብ11 ዕጽፊ ሞት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከብ ዘብል ሕማም ሽሮኽን ንካልእ ዝተፈላለዩ ተላባዕያን ሕማማት ከምዘሎ እውን ገሊጾም፥ ህጹጽ ሓገዝ ክለኣኽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ውሑድ ኣህጉራዊ ሓገዝ
“እዚ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበረሰብ ዓለም ዝኣተዎ መብጽዓ ዝፍጽም እንተ ዀይኑ ብርግጽ እቲ ዘጋጠም ዘሎ ሓደጋ ሞት ኣይምሃለወን ነይሩ” ዝበሉ ወሃቢ ቃል ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ህጻናት ትካል፥ “እቲ ማሕበር ሓልዮ ህጻናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ንምሕጋዝ ዘኽእሎ መጠን ዝሓተቶ ገንዘብ ክሳብ ሕጂ 3 ሚእታዊ ጥራይ ከም እተወሃቦ” ኣመልኪቶም ሶማል ኣብ ውሽጥ ዓሰርተ ዓመት ብዘጋጥም ዘሎ ደረቂ ኣብ ስቓይ ከም እትርከብን ኣርባዕተ ብዘይ ዝናም ዝሓለፈ ናይ ዝናም ወቕቲ እቲ ሓምሻይ ወቕቲ እውን ተመሳሳሊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ካብቲ ናይ 2011 – 2016 ዓ.ም. ተራእዩ ዝነበረ ደርቂ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ከም ዝኸውን ትንበያታትን ምውህሃድ ሰብኣዊ ጒዳያት ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠን ብርቱዕ ወሰኽ ዋጋታት እኽልን ካልኦት ቀንዲ መግብታትን ብኸፊል ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን እናገደደ ይኸይድ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰፊሕ ቅልውላው መግቢ
ብጀካ ሶማልያ እቲ ህጹጽ ኵነታት መግቢ ንሶሪያን ፓኪስታንን ልዕሊ ኹሉ ድማ ገና ኣብ ነዊሕ ሕድሕዳዊ ግጭት ተኣሊኻ ንዘላ የመን ብብርቱዕ ዝጸልዎ ምዃኑ ኣህጉራዊ ፈደራላዊ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ሓላፊ ፍራንቸስኮ ሮካን ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ኣቦ መንበር ፐተር ማውረር ቅድሚ እቲ ኣብ ኒው ዮክር ንኽካየድ ዝተጸውዐ መበል 77 ሓፈሻዊ ጒባኤ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጒዳይ እዚ ዓቢይ ቆላሕታ ኪገብረሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ድማ ህዝብታት እተን ሃገራት ነቲ ቅልውላው ንምግጣምን ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ካብ ሓደጋ ሞት ንምድሓንን ንጡፍ ተወፋይነት ክህሉ ዝሓትት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ትካላት ረድኤት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።