ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ፥ መደብ ውሳኔ ህብዚ መንግስቲ ሩስያ ቅቡል ከይከውን ጻውዒት የቕርቡ
ኣብተን ካብ ዩክረይን ናጻ ክኾና ዝደለያ ዞባታት ዶኔትስክን ሉ ጋንስክን ዶባንስን ብጠቕላላ ብሰራዊት ሩሲያ እተተሓዘ ደብባዊ ከባቢታት ዕድለን ባዕለን ክውስና ዝብል መስርሕ ህዝባዊ ውሳኔ ክካየድ ሩሲያ ዘቕረበቶ ውሳኔ ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ቅቡል ከይከውን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ቮሎዶሚር ዜለንስኪ ኣብተን ኣካል ሃገሮም ዝኾና ግዝኣታት ሩሲያ እተካይዶ ዘላ ውሳኔ ህዝቢ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ከይህበሉ ዘቕረብዎ ሕቶ ደጊሞም ከም ዘቕረቡን፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ንመሬት ዩክረይን ናይ ኡክረይን ዝብል ኣፍልጦ ከም እትህብን ሩሲያ ተካይዶ ዘላ መደባት ህዝባዊ ውሳኔ ዘይቅቡል እዩ” ዝብል መልሲ ከም ዝሃበሉን፡ ርእሰ ብሔር ባይደን፥ “ምስ መሓዙት ሃገራትን መሻርኽትናን ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ሓደስቲ ቅልጡፍን ከቢድን ቁጠባዊ እገዳታት ከነጽንዕ ኢና” ከም ዝበሉን ተመሳሳሊ ሓሳብ እውን ካብትን ብጉጅለ ሸውዓት ዝፍለጣ ብኢዳንስትሪ ዝማዕበላ ሃገራር፥ “እቲ ሩሲያ እተካይዶ ዘላ መደብ ህዝባዊ ውሳኔ ንናይ ውድብ ሕቡራት ዓገራት ዓለም ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘመላኽቶ ሕግታት ዝጥሕስ እዩ” ዝብል መልሲ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ራዕዲ ኣብ ዞባ ኣዚዩም
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበ ስልጣን ዩክረይን ኣብ ኢዝዩም ካብ ዝተረኽበ ጃምላዊ ናይ መቓብር ስፍራ፥ ናይ 215 ደቂ ኣንስትዮን ናይ 5 ሕጻናትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 447 ሬስታት ከም ዘውጽኡ ናይ ኡክረይን ኣዛዚ ሓለዋ ጸጥታ ኢጎር ክሊመንኮ ከም ዝሓበሩን ሩሲያ ኣብ ጥቓ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝንገረሉ መመንጨዊ ሓይሊ ኒክሊየር ኣብ ዝርከበሉ ከተማ ዛፖሪዝህዝሂያ ብለይቲ ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ሓደ ናይ ሞት ሓደጋ ካልኦት ሸውዓት ሓደጋ መቑሰልቲ ከም ዝወረዶምን ሩሲያ ናይ ኢራን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትጥቀም ከም ዘላ ዘረጋገጸ መንግስቲ ኪየቭ ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ናይ ሃገረ ኢራን ልኡከ መንግስቲ ዝህበቶ ናይ መዝነት ስልጣን ከም ዝሰሓበት ዜና ቫቲካን ካብ ኪየቭ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።