ድለ

ኣብ መንጎ ክይርግይዝስታንን ታጂኪስታንን ዝተኻየደ ግጭት ኣስታት 100 ሰባት ንሞት ዳሪጉ ኣብ መንጎ ክይርግይዝስታንን ታጂኪስታንን ዝተኻየደ ግጭት ኣስታት 100 ሰባት ንሞት ዳሪጉ 

ኣብ መንጎ ክይርግይዝስታንን ታጂኪስታንን ዝተኻየደ ግጭት ኣስታት 100 ሰባት ንሞት ዳሪጉ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 መስከረም ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ብተለፎም ምስ ናይ ታጂኮስታን ርእሰ ብሔር ኢሞማሊ ካክሞንን ምስ ናይ ክርይጊይዝስታን ርእሰ ብሔር ሳዲር ጃፓሮቭን ከም እተራኸቡ

ኣብ ዶብ ኪይርጊይዝስታንን ታጂኪስታንን ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ 94 ሰባት ከም እተቐትሉን ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰባት ድማ ከም እተሃሰዩን እዚ እውን ሩሲያ ኣብ ወራር ዩክረይን ኣብ ዘተኮረትሉ እዋን ዝኽሰት ዘሎ ምዃኑን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንሃገራት ማእከላይ እስያ - ነበር ሃገራት ሶቪየት ሕብረት ንግጭት ዝድርኽ ክኸውን ከም ዝኽእል ካብቲ ከባቢ ዝወጸ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኪይርይዝስታን ርእሰ ብሔር ሳዲር ጃፓሮቭ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃገሮም ሓይሊ ምክልኻል ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ስለዚህ ወለንተይናታት ተወሳኺ ሓይልታት ከም ዘየድልይ እኳ እንተገለጹ እቲ ውግእ ከም ዘለዎ እንተቐጺሉ ናብ ምሉእ ኲናት ኪዓቢ ይኽእል ስክፍታ ከም ዘለዎም ገሊጾም ዝበለ ናይቲ ከባቢ ምንጪ ዜናታት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ናይ ዶብ ምስሕሓብ እዚ ድሕሪ 1990 ዓ.ም. ምፍራስ ሶቪየት ሕብረት ስዒቡ ዝተወልደ ምዃኑ የዘኻኽር።

በሰንኪ እቲ ግጭት እውን ብዙሓት ከም እተመዛበሉን ኣስታትን 137 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ከባቢ ከም ዝወጹን ኣብ ግዚያዊ መእለዪ ከም ዝርከቡን ክፍለጥ እንከ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 19 መስከረም ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ብተለፎም ምስ ናይ ታጂኮስታን ርእሰ ብሔር ኢሞማሊ ካክሞንን ምስ ናይ ክርይጊይዝስታን ርእሰ ብሔር ሳዲር ጃፓሮቭን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ሩሲያ ኣብ ወራር ዩክረይን ኣብ ዘተኮረትሉ እዋን ኣብ መላእ ዞባታት ማእከላይ እስያን ካውካሰስን  ኮታ ኣብ ዞባትት ነበር ሶቪየት ሕብረት ወጥሪ ክለዓዓል እዩ ዝብል ኣህጉራዊ ስክፍታ ከም ዘሎ የመላኽት።

20 Sep 2022, 16:17