ማሕበራዊ ተገልሎን ድኽነትን ቝጠባ ኵነታት ኢጣሊያ
ብመሰረት ጸብጻብ ኣውሮስታት - ህልው ኵነታት ሃገራት ኤውሮጳ ብኣዝ ጸብጻብ ዘቕርብ ማእከል ኣብ ኢጥሊያ ድኽነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብ 5.1 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ኣብ ርእሲ እዚውን ብዛዕባ እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኢጣሊያን ብዛዕባ እቶም ጽጉማት ጒጅለታትን ንዋታውን ተጠቐምቲ ኣገልግሎት መውሃብታት ናይ ምዃን ኵለ መደያዊ ዓቕሞም የንቈልቁል ምህላዉ እዚ ጒዳይ እዚ እውን ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኢጣልያ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ማርኮ ፓኚየሎ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ኣብ ጸገም ንዝርከብ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ምድጋፍ እጃምና ነበርክት” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ማሕበራዊ ጒዳያት ምግላል ዘለዎ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ገምጋም ድኽነት ናብ 25.2 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ሎሚ ካብ መላእ ብዝሒ ህዝቢ ኢጣልያ ዳርጋ 14.24 ሚሊዮን ዝኸውን እቲ ብገምጋም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ኣታዊ ትሕቲ 60 ሚእታዊ ብምንካዩን እዚ ጒዳይ እዚ እውን ማዕረ ሰብኣዊ ክብረቶም ንኽነብሩ ንገዛእ ርእሶም ውሕስነት ኣብ ምሃብ ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ። ኢጣሊያ ንመንእሰያት ዘይኮነት ሃገር ምዃና ዝሕብር ኵነታትን ታሪኽ ህይወትን ይራአይ ከም ዘሎን ገምጋም ድኽነትን ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ዳርጋ 31.6 ሚእታዊ እዩ።
ትሕቲ ዕድመን ኣረጋውያንን
ሚእታዊ ናይቶም ኣብ 2021 ዓ.ም. ድኽነት ዘጋጠሞም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምስ 2020 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብሓደ ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ድኽነት ዘጓጠሞም ብዝሒ ኣረጋውያን ካብ 16.8 ሚእታዊ ናብ 15.6 ሚእታዊ ከም ዝነከየን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኢጣሊያ ጨንፈር ካሪታስ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ማርኮ ፓኚየሎ፥ “ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንቘልዑን ዓበይትን መግባዊ ውሕስነት ናይ ምሃብ ኣቕመን ይንክይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ የንቈልቁል ከም ዘሎ ሓቢሮም፥ ሃብቲ ገንዘብ ኣሎ ስለዚህ መንግስቲ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ዘድሊ ረድኤት ንምቕራብ ካብ ድኽነት ንኽላቐቝ እውን መታን ነቲ ዘሎ ሃብቲ ገንዘብ ብዝሓሸ መገዲ ክውድቦ ኣለዎ” ይብሉ።
ንዋታውን ትምህርታውን ጒድለታት
ናይ ግሉልን ትምህርታውን ድኽነት ጸገም ልዕሊ ዅሉ ኣብ ከባቢ ከተማታት እዩ ዘጋጥም ኣብኡ እውን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ “ምሉእ ውሕስነት መግቢ” ከረጋገጻ ዘይክእላ ከም ዝኾናን ብናይ ኢጣሊያ ካሪታስ ንጥፈታት እዚ ሓቅታት እዚ ብንጹር ዝርአ እውን ምዃኑ ኣባ ማርኮ ፓኜየሎ ገሊጾም፥ ማሕበራዊ ተገልሎን ናይ መግብን ናይ ትምህርቲ ድኽነትን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ የጥቅዕ ምህላዉን ኣብ ኢጣሊያ ብካሪታስ ናይ ዝሕገዙ ቑጽር ክብ ከም ዝበለን እዚ እውን ነቲ ዘሎ ድኽነት ዘረጋገጽ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድኽነት ኣብ ኤውሮጳ፥ ኣገባብ ህይወት ኤውሮጳ ዳግም ምምልካት
ኣብ ኢጣሊያ ሳላ እቲ ተንቀሳቃሲ ንብረትን ኣገልግሎትን ምዝርጋሕ ግደ ድኻትት ብ 8.4 እንተ ነከየ ኣብ ጀርመን ብ 10 ነጥቢ ይንኪ። ይኹን ኣምበር ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ዘሎ ጋግ ኣዚዩ እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣባ ፓኚየሎ ነቲ ጸብጻብ መሰረት ገይሮም እንክሕብሩ፥ ብዙሓት ካብ ዘስካሕክሕ ድኽነትን ውግእን ዘምልጡ ናብ ኢጣሊያ ዝኣትዉ ክእንገዱ ትርእይ በንጻሩ ድማ ብዙሓት መንእሰያት ኢጣሊያ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክስደዱ ንርእይ። እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ ዝተፈላለየ መደያዊ ቅልውላው ኤውሮጳ ደው ቢላ ነቲ እትስዕቦ ዘላ ኣገባብ ህይወት ክትምርምርን ክትቕይሮን ከም ዘለዋ እዩ ዘመላኽት፡ እቲ ዝኸፍአ ድኽነት ስርዓት ዝፈጥሮ ዘሎ እዩ ዝመስል። ኣብ መነባሮን ስርዓት ሃገራትን እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ቀዳምነት ዘይምሃብ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ጠንቂ ድኽነት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።