ድለ

ICOAST-POLITICS ICOAST-POLITICS  (AFP or licensors)

ንሃገራዊ ውህደት ኣይቮሪ ኮስት መፍትሒ ዕርቂ ጥራይ እዩ! ጳጳስት’ታ ሃገር

ናይ ሃገረ ኣይቮሪ ኮስት ረኪበ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብቲ ሃገር ንዘሎ ጸገማት ፈቲሕካ ኣብታ ሃገር ነባሪ ማሕበረሰባዊ ውህደት ንክፍጠር እታ እንኮ ፍታሕ ሃገራዊ ዕርቂ ምግባር እዩ እንክብሉ ንትርጉም ዝኽሪ መበል 62 በዓል ነጻነት እታ ሃገር ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ብእንግሊዘና ኣይቮሪ ኮስት ብፈረንሳየኛ ኮ ዲቯር ብዝብል ስያሜ እትፍለጥ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ረኪበ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፕረሲደትን ሊቀጳጳስ ኮርሆጎ ናቲ ዓድን ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ኢግናስ በሲ ዶግቦት ዝሓለፈ ሶኑይ ንረድዮ ቫቲካን ንዝኽሪ መበል 62 ዓመት ነጻነት እታ ሃገርን ትርጉምን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ኣብ ታሪኽን ኩነታትን ናይታ ሃገር 50 ዓመት ወይውን 60 ዓመት ገና መንእሰይ እዩ ዘስምዕ’ እንክብሉ ገና ብዙሕ ጒዕዞ ይጽበያ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብፁዕነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ‘ኮት ዲቯር ገና መንእሰይ ሃገር እያ። ምሉእ መጻኢኣ ከኣ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገበቶም ዓወታት ፖሎቲካዊ ሓርነት ብሓቀኛ ነባሪ መንገዲ ክህነጽ ኣለዎ’ ኢሎም።

ሃገራዊ ዕርቂ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ እንተኾነ የንፋሑዂ ኣሎ!

ብፁዕነቶም ሓደ ዓሠርተ ዓመት ንድሕሪት ተመሊሶም ብ2011 ዓም ነቲ ቀቅድሚኡ ዝነበረ ንምርጫ ስዒቡ ብዝመጸ ግጭት ዓጽዮም ዕርቂ ከምዝጀመረ ዘኪሮም። እቲ ሽዑ ዝጀመረ ጻዕራታት ገና ይቅጽል ምህላውን ናብ ምሉእ ሃገራዊ ዕርቂ ንክበጽሑ ዘለዎም ተስፋን ገሊጾም። እቲ ጒዕዞ ዕርቂ ምስ ተጀመረ ሚኒስትሪ ናይ ዕርቂ ከምዝቆመን ሓደ ሚኒስተር ተሰይምዎ ከኣ ንዕርቂ ከደንፍዕ ተበገሰ። እቲ ጒዕዞ ብሓቂ ከቢድ እዩ፣ እንተኾነ ይግስግስ ኣሎ። እዚ ዕርቂ እዚ ነባሪ ክኸውን ግን ኣብ ጽኒዕ መሠረት ክህነጽ ኣለዎ። ኩሎም ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ዝዋስኡ ዘበሉ ኣብዚ ጒዕዞ እዚ እጃሞም ከበርክቱ ግድን ከምዝኾነ እውን ገሊጾም።

ብፁዕነቶም ናብ ኣይቮራውያን ዘተኰረ ሓጺር መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፉሉ ዝሓለፈ ከይርስኡ እቲ ብ2011 ዝተፈጸመ ትራጀዲ ኣዳዕዲዖም ክዛረቡሉ ከማኡ እውን እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየድ ናይ ዕርቂ ጒዕዞ ብግልጺ ክንገር ኣለዎ። ከመይ ሰላምን ማሕበረሰባዊ ውህደትን ክርከበሉ ዚከኣል በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ ኢሎም።

ንግባግቦ ዝተጸገወ ምሕረት ፕረሲደትንት!

ፕረሲደንት ናይታ ሃገር ኣላሳነ ዋታራ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ፕረሲደንት ሎረን ግባግቦ ይቅረ ከምዝበሉሎም ብምግላጽ እዚ ተግባር እዚ ከኣ ነቲ ዝጽበይዎ ሃገራዊ ዕርቂ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ብ2011ዓም ዝተገብረ ምርጫ ዋታራ ተዓዊቱ ምስ ተባህለ ዝተፈጸመ ሕዝባዊ ግጭትን ዓመጽን ኢድ ኣለዎ ብዝብል ብ2018 ናይ 20 ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ ከምዝተፈርደሉ ይንገር። ንግባቦ ናብ ፍርዲ ዘቅረበን ካብ ሃገሩ ናብ መጋብያኡ ዝወሰዶን ዓለም ሓቆፍ ገበናዊ ቤትፍርዲ ስለዝኾነ ፕረሲደንት ዋታራ ምስቲ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ሎረን ግባግቦ ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝዓደምዎም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ በሲ ነቲ ብፕረሲደንት እታ ሃገር ንግባግቦ ዝተዋህቦ ይቅሬታ ብሓቂ ዝነኣድ ተግባር ምዃኑ እኳ እንተገለጹ ግን ገና ክግበር ዘለዎ ብዙሕ ጉዳያት ከምዘሎ ኣይሓብኡን። ኣብዚ ተግባር እዚ ኩሎም ኣይቮራውያን ክዋስኡ ከምዘለዎምን ማንም ክተርፍ ከምዘብሉን ብምዝኽኻር ነፍስወከፍ ኣይቮርያዊ ንሰላም ማሕበራውን ቊጠባውን ምዕባሌ ደቂ ኣይቮሪ ክሰርሑ ኣለዎም። እዚ ኩሉ ከኣ ንመንፈስ ቂምን ኣተለ በቀልን ሕነ ምፍዳይን ከወግድ ኣለዎ። ሃየ እምበኣር ኩሉ ደቂ ኣይቮሪ ኣብ ፖሎቲካዊ ሕይወት ናይታ ዓዲ ንሳተፍ እንክብሉ ቃሎም ደምደሙ።   

ብድምጺ ንምክትታል!
12 August 2022, 14:57