ድለ

ካርዲናል ቦ፥ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምያንማር ብዝወስዶ ስጒምቲ ምኽንያት ስክፍታኦም ይገልጹ ካርዲናል ቦ፥ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምያንማር ብዝወስዶ ስጒምቲ ምኽንያት ስክፍታኦም ይገልጹ 

ካርዲናል ቦ፥ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምያንማር ብዝወስዶ ስጒምቲ ምኽንያት ስክፍታኦም ይገልጹ

እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንመላእ ህዝቢ ምያንማር የፈራርህ ምህላዉን ኣብ ልዕል ህዝቢ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸቕጢ የውርድ ኣሎ እንክብሉ ስክፍታኦም ይገልጹ

ኣብ ምያንማር ኣውንግ ሳን ሱ ንተወሳኺ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ኣብ ዝተፈረዳሉ እዋን ናይ ያንጎ ሊቀ ጳጳሳት  ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ፥ ወተሃደራዊ መግንስቲ ምያንማር ንህዝቢ ይጭፍጭፍ ከምዘሎን ከፈራርህ እውን ይፍትን ኣሎ ቢሎም፥ ህልው ኵነታት ሃገሮም ኣዚዩ ዘሰኽፍ ምዃኑ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወተሃደራዊ መንግስቲ ምያንማር ንኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ንተወሳኺ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝፈረደን ማዕከናት ዜና እንክሕብራ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ሳን ሱ ኪዪ ኣብ ዕጹው ብርቱዕ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ኣብ ዝግበረሉ ቤት ፍርዲ ብምግባረ ብልሽውና ከሲሱ ኣብ ልዕለአን ዘመሓላለፎ ብይን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅድም ክብል ብኻልእ ዝተፈላለየ ክስታት ንዓሰርተ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ከም እተፈርዳ ይዝከር።

ኣውንግ ሳው ሱ ክዪ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ሃገረን ንኽመርሓ ዝተመርጻ ከም ዝነበራን ኣብ ዝዓለፈ ዓመት ብዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ተኣልየን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዘንበረ ዝዝከር ኮይኑ ሱ ክዪ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣትሒዘን ካብ ቤተን ከይወጻ ተኣጊደን ቅይድቲ ቤት ከም ዝኾናን ህልው ኵነታት እታ ሃገር እናኸፈአ ይኸይድ ምህላዉን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ናይ ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ዓለም ልኡኽ ኣብ ምያንማር ምብጻሕ ከካይዱ ይዳለዉ ከም ዘለዉን ማሕበረሰብ ዓለም እውን ጭካነ ወተሃደራዊ ስርዓት ምያንማር ይዅንን  ከምዘሎን እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ኣብ 2017 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እውን ምእንቲ ሰላም ኣብ ምያንማር ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካርዲናል ቦ፥ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝፍጽሞ ግብረ ምፍርራህ

ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ተራኺቦም፡ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንመላእ ህዝቢ ምያንማር የፈራርህ ምህላዉን ኣብ ልዕል ህዝቢ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸቕጢ የውርድ ኣሎ እንክብሉ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭካነ ዝተመልኦ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ዘሎ ገበን

እቲ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብዙሓት ቖልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 2,100 ሰባት ከም ዝቐተለን ካልኦት ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ድማ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከም ዝዳጐነን ክንገር እንከሎ፡ ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ “እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኵነታት ዝተሓላለኸን ኣዚዩ ዝተደናገረን ትጽቢት ዘይትገብረሉ እዩ” ቢሎም፥ “ኣቝሻት ይዓንዉን ብሓዊ ይነድድን ከም ዘሎን “ካብ ሓፈሻ ብዝሒ ህዝቢ ምያንማር እቲ ሓምሳ ሚእታዊ ኣብ ክቱር ድኽነት ዝርከብ እዩ። እንተ ወሓደ 8 ሚሊዮን ህጹጽ ናይ መግቢ ውሕስነት ዘድልዮም እያቶም፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም” ኣለዉ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፥ ወተሃደራዊ ጁንታ ምያንማር ኣንጻር ሰብኣዊ ገበናትን ጭካነ ዝተመልኦ ገበን ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ይፍጽም ኣሎ እንክብል ከም ዝኸሰሶ የዘኻኽር።

18 August 2022, 16:17