ካርዲናል ሮዛ ቻቨዝ፥ “ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዘሉ ተኣፋፊ’ ምዃኑ ይሕብሩ
ህዝቢ ኤል ሳልቫዶር ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጒጅለታት ዘስዕብዎ ዘለዉ ከቢድ ማሕበራውን ሰብኣውን ጸገም ምኽንያት ኣብ ‘ህጹጽ ኩነታት’ ኪነብር ይግደድ ምህላዉ ብጹዕ ካርዲናል ሮዛ ቻቨዝ ገሊጾም፥ ህልው ኵነታት ሃገሮም ኣዚዩ ዘሰክፍን ተነቃፍን ምዃኑ ይሕብሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ኤል ሳልቫዶር ናዪብ ቡከለ ዝተፈላለዩ ዘመትቲ ጒጅለታት ዝፍጽምዎ ብዘለዎ ዓመጽን መቕተልትን ምኽንያት ዕለት 27 መጋቢት “ህጹጽ ኵነታት” ከም ዝኣወጁን እዚ እውን ዓመጽ ንምቝጽጻር እዩ ከም ዝበሉን ሎሚ ድሕሪ 5 ኣዋርሕ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ኵነታት ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።
ሰላም ንምርግጋጽ ዘተ ወሳኒ እዩ!
ናይ ሳን ሳልቫዶር ተራድኢ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ግረጎሪዮ ሮዛ ቻቨዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኤል ሳልቫዶር ብሰንኪ ህጹጽ ኵነታት ኣዚዩ እተደናገረን ዝተሓልለኸን ኵነታት የጋጥማ ኣሎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያን ዓቕምን ዓድና ክንሃንጽ ወፈያ ኪገብር ጻውዒት አቐርብ” ኢሎም። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ቤተ ክርስቲያን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝሓትት እውን ይዅን ናብ ናይ ምስክርነት ተልእኾኣ ክትመልስ” ከም ዘለዋ የዘኻኽሩ፥ ናይ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ሰማእትነት መለለዪ ቤተ ክርስቲያን እዩ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ስፍራን ግዜን ንሃሉ ሰማእትነት ተልእኾና እዩ” ኢሎም።
ጒጅለ ዓመጽትን ዘመትን
መንግስቲ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ልዕሊ 50 ሺሕ ዝግመቱ ዓዋሉን ምስ ናይ ገበን ጒጅለታት ምታስሳር ዘለዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወን፡ ርእሰ ብሔር ቡከለ እዚ ህጹጽ ስጉምቲ እዚ ዓመጻ ንምንካይ ዝዓለመ ምስ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝግበር ዘሎ ውግእ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹን ኣብቲ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዝምራሕ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝቖመ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተዓዛቢ ኣካል፥ ሓይሊ ጸጥታ ሳልቫዶር ብዛዕባ ዝፍጽሞ ዘሎ ጸቕጥ ስዒቡ እውብ ብዘይ ፍቓድ ዝወስዶ ስጒምቲ ማእሰርትን ብሩትዕ ሻቕሎትን ጭንቀትን የስዕብ ምህላዉ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ ዝሓለፈ ዓርቢ 26 ነሓሰ ኣብ ቤት ማእሰርቲ 73 ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብር።