ድለ

ሞቕታዳ ኣል ሳድር፥ ኣጽዋር ኣየድልን እዩ እንክብሉ ንዒራቓውያን ይቕረታ ይሓትቱ ሞቕታዳ ኣል ሳድር፥ ኣጽዋር ኣየድልን እዩ እንክብሉ ንዒራቓውያን ይቕረታ ይሓትቱ 

ሞቕታዳ ኣል ሳድር፥ ኣጽዋር ኣየድልን እዩ እንክብሉ ንዒራቓውያን ይቕረታ ይሓትቱ

ኣብ ዒራቕ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ዒራቕ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕጽዋ ስክፍታ ከም ዘጠረሎም

ድሕሪ እቲ ዕለት 29 ነሓሰ ሞትን መጒዳእትን ዘስዓበ ጎነጻዊ ግጭት ኣብ ባቕዳድ ህድኣት ይምለስ ዘሎ ከም ዝመስልን ናይ ሺዓውያን መራሒ ሰዓብቲ እውን ካብቲ ዞባ ሓምላይ ተባሂሉ ካብ ዝግለጽ ስፍራ ከም ዘንሰሓቡ ክንገር እንከሎ፡ እታ መብዛሕቲኡ ህዝባ ሺዓዊ ዝኾነላ ሃገረ ዒራቕ ካብዚ ነዊሕ ዓመታት ዘቝጽር ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ከም እትወጽእ ክትዛረ ብሓቂ ዘይከኣል ኮይኑ ከም ዝመስል ናይ ማእከላይ ምብራቕ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጒዳያት ፈላጣት ይዛረቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 29 ነሓሰ ጸላዊ ሺዓዊ ሃይማኖታዊ መራሒ ሞክታድ ኣል ሳድር ካብ ፖለቲካዊ ጒዳያት ከም ዝለቐቑ ድሕሪ ምግለጾም ኣብ ዒይራቕ ሓድሽ ዓመጽ ከም እተለዓዓለን፡ ኣብ ባቕዳድ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ደገፍቲ ሳድር ኣብ ሓምላይ ዞባ ባቕዳድ ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሑዱ 23 ሰባት ከም እተቐትሉ ይንገር።

ኣብ ዒራቕ ሓድሽ መንግስቲ ምቛን ዝብል ከይዲ ዕጽው ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን ሺዓዊ መራርሒ ሞቕታዳ ኣል ሳድር ካብ ፖለቲካ ክለቍ ማዃኖም ድሕሪ ምሕባሮም ሰዓብቶም ነቲ ባቕዳድ ዝርከብ ሓምላይ ዞባ ድሕሪ ምውራሮም ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ወጥሪ ዳግም ከም ዘለዓዓለን ናብ ዝኸፍአ ደረጅ እውን ከየብል ብዙሕ የስግእ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፥ ነቲ ዓመጽ መልሲ ንምሃብ ሰራዊት ዒራቕ ሃገር ሓቆፍ ዕጽዋ ከም ዝኣወጀን መራሔ መግንስቲ ዒራቕ ሙስታፋ ኣል ካድሂሚ ናይ ቤት ምኽሪ ሚንስራት ኣኼባ ክቋረጽ ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን ካብ ዒራቕ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ምብራኽ ስግኣት

እቲ ዕለት 29 ነሓሰ ዘጋጠመ ሁከት ነታ ድሮ ድሕሪ ዓመታት ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተሸሚማ ዘላ ሃገረ ዒራቕ ዝያዳ ምርግጋእ ከይህሉ ዝገብር ክኸውን ይኽእል ዝብል ስግኣት ይፈጥር ከም ዘሎን። ኣብ ዒራቕ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልኡኽ እውን ኵሎም ወገናት “ካብቲ ደው ክብል ዘይኽእል ሰንሰለታዊ ፍጻሜታት ክወልድ ካብ ዝኽእል ተግባር ኵቑጠቡ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ህላወ ዒራቕ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሳድሪስታዊ ምንቅስቓስ ዝበዝሐ ብጽሒት ወንበር ካብ ዝዕወት ንደሓር ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ከም ዘይተኽኣለን ኣብዝሓ ድምጺ ዘለዎ መግንስቲ ንምርካብ እውን እዅል ብምዘይ ምዃኑ ብዒራን ምስ ዝድገፍ ማዕቅፍ ምውህሃድ ሺዓዊ ፖለቲካ ኣይዝትይን ብምባሎም ነታ ሃገር ናብ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ዘይርግጹነትን ይድርኻ ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፥

ስክፍታ ቤተ ክርስቲያን

ኣብ ዒራቕ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ጳጳሳት ኣብ ዒራቕ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕጽዋ ስክፍታ ከም ዘጠረሎምን እዞም ጳጳሳት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ሲኖዶስ ኣብ ዘውጸእዊ ሓባራዊ መግለጺ፥ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዒራቕ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ምግባረ ብልሽውናን ዝቕጽል ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ንምፍታሕ ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ክቀላጠፉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣቐዲሞም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ኣብ ባቕዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ሰበኻ ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ንዅሎም ወገናት ናብ ዝኸፍአ ሳዕቤን ዘለዎ ኵነታት ቅድሚ ምባል “ሃገራዊ ናይ ዘተን ምምኽኻርን ባይታ” ክፈጥሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

31 Aug 2022, 16:12