ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ፥ ፖለቲካ ንእሽተይ ረብሓ ክኸውን የብሉን ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ፥ ፖለቲካ ንእሽተይ ረብሓ ክኸውን የብሉን 

ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ፥ ፖለቲካ ንእሽተይ ረብሓ ክኸውን የብሉን

ይግባእ፥ . . . ቤተ ክርስቲያን ኣደ እያ፡ ዘይትጭበጥ ዘይትድህሰስ ኣይኮነትን ወጅሂ ሰብኣውን መንፈሳውን ተመክሮታትና ዘለዋ እያ፡ ጽባቔ ምትእኽኻብና ነቲ ኣብ መንጐናን ምስ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝጥርንፈና ሕብረት ከነስተማቐር ይገብረና

ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዙፒ ዕለት 21 ነሓሰ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 20 – 25 ነሓሰ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ በቢ ዓመቱ ብማሕበረሰብ ሱታፌን ሓርነትን ተዳልዩ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ 2022 ዓ.ም. መበል 43 ጒባኤ ምሕዝነት ህዝብታት ንተጋባእያን መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ‘ኣብ ሕብረተሰብን ፖለቲካን’ ተወፋይነት ንኽገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ፖለቲካ ንሰብ ሓልዮት ምግባር ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፖለቲካ፥ ፖለቲካዊ ፍቕሪ

ካቶሊካውያን ናብ ሓባራዊ ረብሓ ከተኵሩ እዩ ዘለዎም፡ ስለዚ ፖለቲካ ፍቕሪ እምበር “ምቹእነት ወይ ንእሽቶ ረብሓ ክኸውን የብሉን፡ ንዅሉ ሰብ ንቐረባ መጻኢና ዝሓስብ መገዲ ዘመላኽት እዩ፡ ንትምህርቲ ንስራሕ ንሰላም ንስድራ ቤት ብዓብይ ዝትንክፍ ጸገም ኣሎ፡ ስለዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘለዋ ዓቢይ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ንተቛማት ናይ መንግስቲ ኣብ ህልውን መጻእን ኣገዳስን ወሳንን ጒዳያት መዛተይቲ እያ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዘይመኽሰባውያን ትካላት

ቤተ ክርስቲያን “ኣብ ዘይመኽሰባዊ” መዳያት ተገዳስነት ኣለዋ” እዚ ድማ ረብሓ ዘይኮነ ሰብ ዘማእከለት ብምዃና እዩ፡ ስለዚ ንተቛማት ናይ መንግስቲ ኣብ ህልውን መጻእን ኣገዳስን ወሳንን ጒዳያት መዛተይቲ እያ፡” ከምኡ ምዃኑ እውን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ጥራሕ ዘይኮነ ለበዳ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልላውን ብቐረባ ዝምስክሮ እዩ።

 በታ ጸባብ ማዕጾ ምሕላፍ

ብጹዕነቶም ኣብ ስብከቶም ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክሳዕ ፍጻሜ ወንጌል ክስዕቡ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም ስለዚ ወንጌል ንምንባር ድማ በታ ጸባብ መገዲ ምሕላፍ የድሊ፥ ነቲ ዘሎና ምስቶም ዘይብሎም ምክፋል ንሓደ ሰብ ካብ ስቓይን ጽምዋን ሓራ ምውጻእ ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምኽባር ማለት እዩ። . . . ቤተ ክርስቲያን ዓለም ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘይጽንቀቕን ሓያልን ፍቕሪ ንወዲ ሰብ ዘለወን ክዀና ይግባእ፥ . . . ቤተ ክርስቲያን ኣደ እያ፡ ዘይትጭበጥ ዘይትድህሰስ ኣይኮነትን ወጅሂ ሰብኣውን መንፈሳውን ተመክሮታትና ዘለዋ እያ፡ ጽባቔ ምትእኽኻብና ነቲ ኣብ መንጐናን ምስ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝጥርንፈና ሕብረት ከነስተማቐር ይገብረና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣይፋል ንሃገርተይናውነት

ሃገራውን ሃገርተይናውን ዝተፍላለየ ጒዳይ እዩ፥ ሃገርተይናውነት ናይ ንፈሲ ወከፍ ዜጋ ንኣይነት ብሓደ ዝሓቍፍ ዓብይ ንኣይነት - ክቱር ርእሰ ፍትወት እዩ፥ ንተነቃፍነትና ኣፍልጥ ምሃብ ምስ ካልእ ንኽንራኸብ ዝድርኸና እዩ ክኸውን ዘለዎ። ሰብኣውነትና ናብ ካልኦት ዘቕርበና እምበር ካብ ካልኦት ዘርሕቐና ክኸውን የብሉን ምእንቲ እዚ ኲናትን ራዕድታቱን ኢሰብኣውነትን ንኻልኦት መሰል ዘይምግዳስን ክንለማመዶ የብልናን” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Aug 2022, 10:10