ድለ

US-ANTI-ABORTION-ACTIVISTS-PROTEST-OUTSIDE-HEALTH-AND-HUMAN-SERV US-ANTI-ABORTION-ACTIVISTS-PROTEST-OUTSIDE-HEALTH-AND-HUMAN-SERV  (2022 Getty Images)

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንጎስጓስ ኣዝዩ ቅሳነት ዝኸልእ ምንጻል ጥንሲ ባይደን ይጽውዑ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ምንቅስቃስ እወ ንሕይወት፡ መራሒ ሃገር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፕረሲደንታዊ ስልጣኑ ተጠቂሙ “ምንጻል ጥንሲ ንኽተባባዕን ኣብ መስርሕ ሕጋውነት ኣብ ሃገርና ክኣቱን” ንዝብል “ኣዝዩ ሃዋኽን ዘሕዝንን” ኢሎሞ።

ዜና ቫቲካን

ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ እወ ንሕይወት መራሒ መዚዙ። ሊቀ ጳጳሳት ዊልያም ሎሪ ናይ ባልቲሞር ሊቀ ጳጳስ ንውሳኔ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግሳታት ኣመሪካ “ስልጣኑ ተጠቂሙ ““ምንጻል ጥንሲ ንኽተባባዕን ኣብ መስርሕ ሕጋውነት ኣብ ሃገርና ክኣቱን” ንዝብል ብምኹናን፡ ነዚ ተግባር እዚ ንምኹንን፡ ምንጻል ጥንሲ ዘይተወልዱ ሕጻናት ሲቪላዊ ብሕይወት ናይ ምንባር መሰሎም ክሕሎ ክንጽዕር ኢና ኢሎም።

ሊቀ ጳጳስ ሎሪ ነዚ ክምልሱ ዝደፋፍኦም፡ ነቲ ዝሓልፈ ዓርቢ ብፈጻሚ ኣካል ዝወጸ ትእዛዝ፡ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ብባይደንን ዝተዋህበ መምርሒ ንምምላስ ኢዩ።  

ሊቀ ጳጳስ ሎሪ ንባይደን “ሕይወት ምረጽ”

ከም ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እዛ ሃገር፡ ኣብ ክንዲ  ላዕለዋይ ስልጣንካ ተጠቂምካ ንኣደታትን ሕጻናትን ክትሕግዝ እተዕብን እትኸናኸንን፡ ኣብ  ክንድኡስ ንዕወትን  ወድሰብ ምቅልጣፍ ኣይግባእን።

“ኣነ ዝምሕጸኖ ፕረዚደንት ባይደን እዚ መንገዲ እዚ ናብ ሞትን ዕንወት ዘምርሕ ስለዝኾነ ነዚ ሓሳብ ኣቋሪጹ ሕይወት ክመርጽ እምሕጸን ኢሎም።”

እዚ ኩነታ እዚ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ  ውሳኔ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዛዕባ ምንጻል ጽንሲ ንዝነጸጎ ውሳኔ ስዒቡ ዝመጸ ኢዩ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ዝሓለፈ ጉዳያት ብጌጋ ዝተወሰኑ ኮይኖም፡ ንምቁጽጻር ምንጻል ጥንሲ ዳግም ብምሕዳስ ንዘሕለፎ ስዒቡ ዝሃቦ መግለጺ ኢዩ።

ነቲ ዓቢ መደብ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምግልጋል

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳ ሎሪ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምጽዋዕ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ “ቁስልታት ንምፍዋስን ማሕበራዊ ምጉጅጃል ንምጽጋንን፡ ንምኽኑይ ዓሚቊ ሓሳብን ሲቪላዊ ዘተን፡ ኣብ ሓደ ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ ንምሕናጽን ስነ ቁጠባ ንዕቤት ኪዳንን ስድራ ቤት ንምሕጋዝን፡ ኣብ ኩሉ ባእታታት ከኣ ጓለንስተይቲ ክትሕገዝን  ውሉዳ ኣብዚ ዓለም ብፍቅሪ ክትጽንብር ክትሕገዝን የድሊ ኢሎም።”

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳ ወሲኾም ዝበልዎ፡ “ከም መራሕቲ ሃይማኖት እንምሕጸኖ፡ ኣገልግሎትና ነቲ ዓቢ መደብ ፍቅሪ ኣምላኽ ክቅጽል ኢዩ፡ ከምኡ’ውን ምስ ደቂ ሃገርና ሓቢርና ክንሰርሕን ንመብጽዓ ሃገርና ኣመሪካ፡ ንመሰል ውሕስነት ሕይወትን ሓርነትን ንድሌታ ሕጉስ ሕይወት ኩሉ ሕዝብና ክንሓብር ኢዩ ድሌትና ኢሎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
11 July 2022, 16:44