ድለ

YEMEN CONFLICT FOOD INSECURITY YEMEN CONFLICT FOOD INSECURITY  (ANSA)

ዓጸቦ ጥሜት 276 ሚልዮን የሳቂ! ቅልውላው ውግእ ኡክራይና ኸኣ የጋድዶ ኣሎ!

ሕጻናት ኣድሕን ዝበሃል ክፍሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ተባሪዑ ዘሎ ቅልውላው ውግእ ኡክራይናን ራሻን ንሥርዓተ ኣመጋግባ ዓለምና ገማጢልዎ ጥራይ ዘይኮነ ዋጋ እኽሊ ንሰማይ ነጢሩ ማንም ክገዝኦ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑስ ኣብ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ዓጸቦ ጥሜት ንልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ሕዝቢ ዓለምና የሳቂ ኣሎ እንክብል ጸብጻቡ ኣቅሪቡ።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ንሰባት ካብ ሕልቂት ጥሜት ንምክልኻል ምናዳ ኸኣ ንሕጻናት ክረድእ ዝቆመ ሕጻናት ኣድሕን ዝበሃል ውድብ ግብረ ሠናይ ኣብ ብዙሓት ብድኽነት ዝደሃኻ ሃገራት ዝተኻእሎ እንከበርክት ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ግን ቁጽሪ ናይቶም ብዓጸቦ ጥሜት ዝሳቀዩ ሰባት ከምዝተድራረበ ብሓፈሻ ልዕሊ 276 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ሓቢሩ። ካብቲ እዚ ውድብ እዚ ረድኤት ዘበርክተለን ሃገራት ኢትዮጵያ ደቡብ ሱዳን ኣፍጋኒስታን ሶማል ወዘተ ኮይነን ቀንዲ ምኽንያት ባህርያዊ ደርቂ እኳ እንተኾነ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ዘብል ጉዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ዝገደደ ከኣ ግጭት ኡክራይናን ሩስያን ነቲ ማዕከን እኽሊ ዓለምና ኮይኑ ናብ ኩሉ ዘካፍል ዝነበረ ንግድ እኽሊ ደው ከምዝብል ብምግባሩ ንዋጋ እኽሊ ከምዝንህር ጥራይ ዘይኮነ ጥር ትብል እኽሊ ከይሰኣነሉ ኣብ ምጥርጣር ዘብጽሕ ስግኣት ከምዝፈጠረ ኣመልኪቱ። ብዙሓት ድኻታት ስድራቤታት ነቲ ዘለዎም ቁሩብ ቁራቦ ክቊጥቡ ክብሉ ኣብዘን 10 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓጸቦ ይኽተል ኣሎ። ሓባራዊ ፍታሕ ክድለ ከምዘለዎ ዘመልከተ ውድብ ሕጻናት ኣድሕን ልዕሊ 28.5 ሚልዮን ዶላር ኣብተን ብብርቱዕ ዓጸቦ ተጠቂዔን ዘለዋ 19 ሃገራት ከምዝመደበ እዚ ከኣ ብቀንዱ ነዛ ትቊረስ እንጌራ እኳ እንተኾነ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ጉዳይ ሕክምናን ምሳኡ ዝተሓሓዝ መሠረታዊ ነገራትን ከምዘሎ ገሊጾም።

ካብ ኩሉ ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ወቅትታት ዝናም ብዘይምውቃዑ ልዕሊ 18,4 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ውሕስነት ምግቢ ፈጺሞም ከምዘይብሎም ኣብ ገገሊኡ ክፍልታት ኬንያን ሶማልያን ብዓጸቦ ዝህሰዩ ሕጻናት ድሮ ይረኣዩ ከምዘለው ኣመልኪቱ።  ስለዚ ኩሎም መንግሥታት ዓለም ምናዳ ኸኣ እቶም ብስም ለገስቲ ሃገራት ዝፍለጣ ኣብ ምወላ ናይ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ቃለን ዝሃባ ሃገራት ቀልጢፈን እንተዘይሓጊዘን ዝገደደ ከይስዕብ ስለዝስጋእ ብእዋኑ ኢደን ክዝርጋሓ ዳይረክተር ሕጻናት ኣድሕን ጋብርየላ ዋይጅማና ተማሕጺነን።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 July 2022, 19:18