ድለ

UKRAINE-CRISIS/GRAIN-TURKEY UKRAINE-CRISIS/GRAIN-TURKEY 

እኽሊ ንምትሕልላፍ ሩስያን ኡክራይናን ውዑል ተፈራሪመን! ጉተረስ ናብ ሰላም ገጹ ዝመርሕ ውዑል ይኹነና

ኣብ መንጎ ኡክራይናን ሩስያን ንዝተወለዔ ኩናት ደው ከብል ዝተፈላለየ ርክባትን ጉባኤታት ከካይድ ዝወረሐ መርሒ ሃገር ቱርክ ኣብ መወዳእታ ንዓለምና ካብ ጥሜት ንምክልኻል ምስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ቀዳማይ ስምምዕ እኽሊ ካብዚ ማዕከን ዓለም ዝበሃል ክፍሊ ናብ ካልእ ሃገራት ብጸሊም ባሕሪ ክመሓላለፍ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተፈራረመ እንክምልከት ክልቲኦም ዕግበቶም ኣብ ርእሲ ምግላጽ ክንዮ ጥሜት ዓለም ምውጋድ ናይ ሰላም በሪ ክኸፍት ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ነቲ መላእ ዓለም ብዓቢ ሃንቀውታ ክጽበዮ ዝወረሐ ተፈራሪሞም ዝብል ቃል ዋና ጸሓፊ ውድም ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ትማሊ ምሸት ‘ካብ ሰለስተ ወደባት ኡክራይና እኽሊ ናብ መላእ ዓለም ክለኣኸሉ ዘኽእል ውዑል ሕጂ ሕጂ ተፈራሪምና’ እንክብል ካብ ከተማ ኢስጣንቡል ማለት ቊስጥንጥንያ ናይ ቱርኪ ንመላእ ዓለም ኣበሰረ። እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ኡካርያናን ዝተኸተመ ውዕል ብሞንጎኝነት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገረ ቱርኲን ብምንባሩ ከኣ ኣብ ሥርዓት ምኽታም ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተርስን ናይ ሃገረ ቱርክ ፕረሲደትን ኤዶጋንን ተረኺቦም ነበረ። ከምቲ መላእ ዓለም እፎይታ ዝረኸቦ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረስ እውን ዕጉብ ከምዝኾነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ሓደ ሽግ ኣብሪሃ እዛ ሽግ እዚኣ ሽግ ተኽእሎ ኰይና ንመላእ ዓለም ተስፋን እፎይታን ትህብ እያ። ነዛ ሽግ እዚኣ ናብ ሰላም ክንበጽሕ እትመርሕ ሽግ ክንገብራ ኣሎና። እዚ ስምምዕ እዚ ነቶም ብጥሜት ዝሳቀዩ ምናዳ ኸኣ ኣብ ጐዳና ምዕብልና ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ንዝነበሮም ፍርሂ ዚኣሊ እዩ’ ኢሎም። እትንተኾነ ብጣዕሚ ከቢድ ከምዝነበረን ኣብዚ ደረጃ እዚ ንክብጻሕ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝሓተተን ኣብ መወዳእታ ግን ሰብኣዊ ጸገማት ስለዝሓየለ ናይቶም ብሓለንጊ ጥሜትን ጽምእን ዝሳቀዩ ሰባት ግድነት ስዒሩ። ብሕጂ እውን ተዂሲ ደው ዝብለሉን ውግእ ዘቋርጸሉን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ሰላም ዝነግሰሉን ክኸውን ጻዕሮም ገና ከምዝቅጽሉ ገሊጾም።

እዚ ስምምዕ እዚ ን90 መዓልታት ከምዝጸንሕን ብቀንዱ ነቲ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ናብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለምና ምናዳ ኸኣ ናብ ድኻታት ሃገራት ክስደት ኣብ ወደባት ኦደሳን ቸርኖሞርስን ዩዝንይን ተኸዚኑ ዝነበረ እኽሊ ከምዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ከኣ ክሰፍሕ ምዃኑ ገሊጾም። ፕረሲደንት ሃገር ቱርክ ኤርዶጋን እውን በዚ ስምምዕ እዚ ከምዝዓገቡን ኣብ መጻኢ ንሰላም ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑን ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 July 2022, 19:43