ድለ

2022.07.07 L'8 luglio si celebra la giornata internazionale del Mediterraneo 2022.07.07 L'8 luglio si celebra la giornata internazionale del Mediterraneo 

ምስጋር ባሕሪ ሜዲተራንያን፡ ‘ሕይወትካ ተስፋ ብምቁራጽ ኣብ ሓደጋ ምእታው’

22 ሰባት ዝሓሸ ሕይወት ንምንዳይ ኣብ ባሕሪ መድተራንያን ጠሊቆም። 61 ብጾቶም ብሕይወት ዝተረፉ ኮይኖም፡ ዕጫኦም ክጽበዩ ናብ መሬት ሊብያ ተመሊሶም ኣለዉ። ኣባ ፓትሪክ ኢታመሶር ካብ ናይጀርያ፡ ንምንታይ ኢዮም እዞም መንእሰያት መረበቶም ገዲፎም ንሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ባሕሪ ዝዳርግዋ ንዝብል መግለጺ ሂቦም ኣለዉ።

ዜና ቫቲካን

ኣባ ፓትሪክ፡ ነቶም ሕይወቶም ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝሰኣኑ እናጠቀሱ እቲ ኲነታት ኣዝዩ ዜሕዝን ኢዩ ይብሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ እዞም 22 ግዳይ ዝኾኑ መንእሰያት ካብ ማሊ ኮይኖም፡ ካብቶም ብሕይወት ዝተረፉ 61  መብዛሕትኦም’ውን ካብ ማሊ ኢዮም። እቶም ብሕይወት ዝተረፉ ብሊብያውያን ሓለውቲ ወሰናስን ባሕሪ ዝደሓኑ ኮይኖም፡ ናብ መሬት ሊብያ ተመሊሶም ኣለዉ። እዞም ብሕይወት ዝተረፉ ሕጅ’ውን ዕጫኦም ፍሉጥ ኣይኮነን፡ ምንም እኳ ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽ ሰሚዕና እንተኾና፡ እቶም ባሕሪ ክሳገሩ ዝተታሕዙ ኣብ ዜፍርሕ ማእከላት ቤት ማሕሰርቲ ኢዮም ዝዳጎኑ።

ኣባ ፓትሪክ ኢታመሶር ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣወሃሃዲ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተኛታት ኣገልግሎት ኢዩ። ኣባ ፓትሪክ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ንሶም ዘስመሩሉ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም “ተራ ሰባት ኢዮም”። ተራ ሰባት ንዝብል ክገልጹ ከልዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ደቅተባዕትዮን ደቀንስትዮን፡ ንኣሽቱ ኮተቴ ኮይኖም፡ ኣብ ከባቢኦም ተስፋ ዝሰኣኑ ኢዮም ኢሎም።

ካብ ምእንታይ ኢዮም ግን ዝሃድሙ?

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቅ ኣሎ። ኣባ ፓትሪክ ሳህለ ሰሃራ ብወራር ጥሩፋት ዓመጽቲ ተጎቢጡን፡ ኣዝዩ ድኹም ምሕደራን ቀጻሊ ለውጥታት ኣብ ስልጣንን ትርእዮ እዚ ከባቢ ኢዩ ኢሎም። ምስ እዚ ተወሳኺ ለውጢ ክሊማ’ውን ኣሎ፡ እዚ ከኣ ንመላእ እቲ ከባቢ ጸልይዎ ይርከብ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ሰባት ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ምንባር፡ ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጉዕዞ ክጉዓዙ ይመርጹ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዛባ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ኣጸቢቆም ይፈልጡ ኢዮም፡ እዚ ንባዕሉ ዜሕዝን ክነሱ፡ ኣባ ፓትሪክ ወሲኾም ካብዚኣቶም ኣብ ዝደለይዎ እንተዘይበጽሑ ሞት ዝመርጹ ኢዮም።

እንተኾነ ግን ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ዘጋጥም ሕማቅ ዜና ሞት፡ ኣብ ዓዲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይውረን። ኣባ ፓትሪክ ከምዝበልዎ “ገለ ስድራ ቤታት ደቆም ክምለስዎም ዝጽበዩ ኣለዉ፡ ደቆም ባሕሪ ሰጊሮም ብሕይወት ከምዘለዉን እሰርሑ ከምዘለዉን እዮም ዝኣምኑ፡ ኣብ ሓቀኛ ክውንነት ግን፡ መብዛሕትኦም ኣብ ጉዕዞ ከለዉ ማንም ኣብ ዘይሕግዞም ኩነታት ሕይወቶም ስኢኖም ኢዮም። ኣባ ፓትሪክ፡  እዚ እዩ  ዚኲርኩሕ ክውንነት ኢሎም ዝጠቅስዎ ነዚ ኢዩ።

ምብራኽ ንቅሓት

ኣብ ጭቡጥ ኲነታት ማሊ፡ ካሪታስ ብዕምቆት ተጸሚዱ ብምስራሕ እዚ ናይ ስደት ኣገባብ ብገለ መዳዩ ዝተመሓደረ ይመስል። ንቅሓት ይብርኽ ኣሎ፡ ማሕበራት ከኣ ኣብቲ ኩነታት ንዘሎ ጸገማት ይገልጻን፡ እዚ ዓይነት ጉዕዞ ኣብ ሕይወቶምን ዝፈትውዎም ወገኖም ጸገም ከምዝኾነ ግንዛቤኦም የበርኹ ኣለዉ።

ምንም እኳ እቲ ስምዕታት እንተሎ፡ ኣባ ፓትሪክ ከምዝበልዎ እዚ እኹል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እቲ ጸገማት ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ፡ ብፍላይ ስእነት መግቢ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ፡ እቲ ቅድሜኦም ዘሎ ድንገታት ነቲ ዝሓሸ ዝብልዎ ምርጫ፡ ካብ ጥሜትን ስእነትን ገዲፍካ ምኻድ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ኮይኑ ኣሎ ይብሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 July 2022, 19:42