ድለ

2022.07.14 Formazione di esperti africani a Roma 2022.07.14 Formazione di esperti africani a Roma 

ኣፍሪቃውያን ሰብ ሞያ ኣብ ሮማ፡ ናይታ ኣህጉር ባህላዊ ውርሻታት ብተጸምዶ ክዕቀቡ ይውፈዩ።

ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ሰብ ሞያ ኣፍሪቃዊ ባህላዊ ውርሻ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተዋህበ ዓውደ መጽናዕቲ “ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ፡ ስርዓተ ሕግን መጽናዕትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተሳቲፎም።

ዜና ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዶ/ር ሲልቪ መመል ካሳይ ካብ ኣይቮርይ ኮስትን ሰይዶ ኖሩ ካነ ካብ ሰነጋልን  ምስ ሬድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተበግሶ ኣዝዩ ጠቃምን ሓጋዝን ኮይኑ ረኺብናዮ ኢሎም።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ምስ መንግስቲ ጣንልያን ይሰርሕ

ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ስርዓት ሕጊ ምክልኻል ኣፍሪቃዊ ባህላዊ ውርሻን ብሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ጣልያን ብምትሕብባር ዝተወደበ ኢዩ። ናይ ሃገረ ጣልያን ውሽጣዊ ጸጥታ ዝከታተል ኣካል ብወገኑ፡ ንባህላዊ ውርሻ ከይጠፍኡ ዝከላኸል ኣገባብን ዓለም ለኻዊ ሕግን፡ ናይ ምምርማር ብልሓታት፡ ኣሰራርሓ ዓለም ለኻዊ ውድብ ሓይሊ ፖሊስ ዝብል ትምህርቲ ኣሰናደወ። ብተወሳኺ ኣዝዮም ኣገደስቲ ምብጻሕ ታሪኻዊ ቦታታትን ቤተ መዘክራትን ኣሰናድዮም ኢዮም። ቋንቋ ፈረንሳ ናይ ዝዛረቡ ኣፍሪቃዊ ባህላዊ ውርሻታት ሰብ ሞያ ካብ ካሜሩን፡ ኮትዲቮር፡ ኒጀር፡ ቻድ፡ ቶጎ፡ ቱኒስያ፡ ሲሸልስን ሰነጋልን ዝርከብዎም ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳቲፎም።

“እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ብኸመይ  ባህላዊ ውርሻታትና ከም እንዕቅብ ጥራሕ ኣይኮነን ኣንፈት ሂቡና እንታይ ደኣ፡ ንገዛእ ርእስና ብኣገደስቲ መሳርሒታት ክንዕጠቅ እሞ ዝመጽእ ወለዶ ቀልጡፉ ባህላዊ ውርሻታቱ ከለሊ ክሕግዞ ንክኽእል።” ክብል ዶ/ር ሲልቨ መመል ካሳይ፡ ዋና ሓላፊ ባህላዊ ጉዳያት ሃገረ ኮትደቮር ገሊጹ።

መለለዪ ካርድ ነቶም ፍሉይን ብሉጽን ኣበርክቶ ኣብ ባህላዊ ስነ ጥበብ ንዝገበሩ

ኣቃልቦ ዓለም ለዓዊ ውድብ ሓይሊ ፓሊስ ኣብ ባህላዊ ውርሻ ብፍላይ ዝሰሓበት፡ ናይ ሓደ ኣይቮሪካዊ ተሳታፊ፡ ዋና ኣካያዲ “ሞሰ ደስ ሲቪላይዘሽን ደ ኮት ዲቮር (ቤተ መዘክር ምዕባለ) ኣብ ኣቢጃን ብ2011 ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ዝነበረ ጸገማት ዝተዘምተት ኢያ።

“ካብተን 121 ዝተሰርቃ፡ ኣብዚ ዋዕላ ብደቂቅ ኣብ ማዕከን -ዳት ዓለም ሓቆፋዊ ሓይሊ ፖሊስ ክነቅርበን እንኽእለን 35 ጥራሕ ኢየን።” ክብሉ ዶ/ር መመል ካስይ፡ በዚ ከኣ ፍሉይ መለለዪ መንነት ንነፍሲ ወከፍ ስእሊ ምውናን፡ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ጥቅሚ ከምዘለዎን ተገንዚብና ትብል። ንሳ ወሲኻ “ኣብዚ ግዜ’ዚ ምክልኻል እዚ ውርሻ ብዘይ ሓገዝ ተክኖሊጂ ክውን ክኸውን ኣይክእልን።”

ሰነጋል ስርዓተ ሕጋ ትኽልስ ኣላ

ሰይዱ ኑሮስ ካነ፡ ዋና ሓላፊ ክፍሊ ታሪኻዊ ቦታታትን ሓድግታትን ሰነጋል ኢዩ። እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ንኹሎም ሰብ ሞያ ኣፍሪቃዊ ውርሻ ንምውሓስ ኣብ ዘድሊ ግዜ ኢዩ ኣጋጢሙ፡ ከን ወሲኹ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሰነጋል ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻታት ንዝምልከት ስርዓተ ሕጋ ትሰርሓሉን ትኽልስን ኣላ።” ኢሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 July 2022, 02:24