ድለ

ETHIOPIA-CONFLICT/UN ETHIOPIA-CONFLICT/UN 

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ፡ ‘ብሰንኪ መንነትን ሃይማኖትን ሓደ እኳ ክቅተል የብሉን ኢሎም’

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ፡ ንቅትለት ኣልማማ ንጹሕን ሕዝቢ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ክሳብ 300 ሕዝቢ ንዝቀዘፈ ዓመጽ ይኹንኑ።

ዜና ቫቲካን

ጉባኤ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ክልል ኦሮሞ 300 ኣባላት ብሔረ ኣምሓራ ንዝቀዘፈ ዓመጽ ይኹንኑ።

ጉባኤ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኦም ከምዚ ይብሉ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብጽኑዕ ንቅትለት ንጹሓን ኣሕዛብ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ኣብ ጋምቤላን ምዕራባዊ ወለጋን ንዘጋጠመ ሕልቂት ንኹንን።” ኢሎም።

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ትዕዝብቶም “ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና፡ ኣንጻር ሃይማኖታዊ ትምህርታት ዝኾኑ ትግባራት ብተደጋጋሚ ተፈጺሞም ኢዮም፡ እዚ ከኣ ናብ ሞትን ምፍንቃልን ስደትን ዳሪጉ።” ንሶም ደጋጊሞ ዝተዛረቡሉ ዛዕባ፡ ሕዝብና ኣብ ስድራ ቤቱን ሃገሩን ዘለዎ ኩነታት ኣዝዩ ኣተሓሳሳብን ሓደገኛን ኩነት ኢዩ ዘሕልፍ ዘሎ ኢሎም።”

“ብሰንኪ መንነቱን ሃይማኖትን ወላ ሓደ እኳ ክቅተል የብሉን።”

ብፁዓን ጳጳሳት ብጽኑዕ ዝጸቀጡሉ “ንመንነት ደቅ ሰብ ዘትሕትን ዝቀትልን ዝኾነ ቅቡል ምኽንያት የሎን።” ኢሎም።

መራሕቲ ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንዝተገብረ መጥቃዕቲ ንምንቅስቃስ ሓርነታዊ ሰልፊ ኦሮሞ (OLA) ሓምዮም ኢዮም። እንተኾነ እዚ ሰልፊ እዚ ነቲ ኩነት ብምንጻግ ንሕና ዘይኮናስ ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሊሻ ከምዝገብርዎ ኢዮም ሓቢሮም። ኣብ ክንድኡስ እቶም ኣብ ከባቢ ዘለዉ ናይ ፈደራል ወተሃደራት ንዘጋጠመ ጃምላዊ ሕልቂት ደው ከብልዎ ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ወቀሱ።

ንመሰል ደቅ ሰባት ዝጣበቅ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እዚ ተርእዮታት እዚ ቅድሚ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ግጭት’ውን ኔሩ ኢዩ፡ ብሰፊሑ መሰላት ደቅሰብ ናይ ምዕማጽ ኣብ ክልል ኦሮሞን ኣብዚ ሕጂ ብግጭት ዝሳቀ ዘሎ ከባብን ኔሩ ኢዩ።” ይብል። 

ብድምጺ ንምክትታል!
08 July 2022, 15:04