ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ - ኣላባማ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝተፈነወ ቶኽሲ
ዕለት 15 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቨስታሊያ ሂል ከተማ ኣብ ዝርከብ ኤጲስ ቆጶሳዊት ቅዱስ ስጢፋኖስ ቤተ ክርስቲያን ቅርዓት ናይታ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ድራር እናተቛደሱ እንከለዉ ሓደ ሽጒጥ እተዓጥቀ ሰብኣይ ብዝፈነውዎ ናይ ቶኽሲ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን እቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን፡ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ እትርከብ ፕረስቢተራዊት ቤተ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ካብ ዝፍኖ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ዘጋጠም ዘሎ ፍጻመ ምዃኑ ይንገር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 15 ሰነ ኣብ ኣላባማ ኣብ እትርከብ ኤጲስቖጶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ግዳም ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ማሕበርሰብ ሰዓት ሽዱሽተ ምሸት ኣብ መኣዲ ድራር ሓቢሮም እንከለዉ ሓደ ሽጒጥ ዝሓዘ ሰብኣይ ብምእታው ብዝፈውዎ ቶኽሲ ክልተ ክሞቱ እንከለዉ ንሓደ እውን ከም ዘቑሰሉን ክንገር እንከሎ፥ እቲ ግብረ ቅትለት ኣብታ ብዙሓት ተቐማጦ ካብ ዝነብሩላ ቨስታሊያ ሂል ክፍለ ከተማ በርሚንግሃም ምዃኑ ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።
ናይታ ከተማ ሓለዋ ጸጥታ መግለጺ
እቲ ዜና ዝፈነዎ ናይታ ከተማ ቤት ጽሕፈት ሓላዋ ጸጥታ ፋይስቡክ ኣብ እተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ከም እተኣሰሩን ኣኽበርቲ ሕጊ እውን ብዛዕባ መንነት ተወሳኺ ሓበሬታ ከይሃበ ይገልጽ።
ማዕበል ራዕዲ
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሰብኪ ዓመጽ ሽጒጥ ብርቱዕ ራዕዲ ዘጋጥም ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ኣብ ኡቫልደ ቴክሳ ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ እተፈጸመ ጃማላዊ ቅትለት ከምኡ ኣብ ዓቢይ ቤት መሸጣ ቡፋሎ ዝወረደ መጥቓዕቲ ስዒቡ ዝፍጸም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ዕለት 16 ግንቦት ኣብ ካሊፎርኒያ ፕረስብተራዊት ቤተ ክርስቲያን ካልእ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ተፈጺሙን ኣብኡ ድማ ሓደ ሰብ ከም እተቐትለን ካልኦት ብዙሓት ድማ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ክሕበር እንከሎ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሽጉጥ ዝፍጸም ዓመጽ ኣብ ዝሕብር ቤተ መዝገብ ጸብጻብ 2022 ዓ.ም. ካብ ዝኣተው ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሺሕ ዜጋታት እታ ሃገር ከም እተቐትሉ ይሕብር።