ድለ

ሊባኖስ፥ ኣብ ሕዝባዊ ምርጫ ካብቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ትሕቲ 50 ሚእታዊ ተሳቲፎም ሊባኖስ፥ ኣብ ሕዝባዊ ምርጫ ካብቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ትሕቲ 50 ሚእታዊ ተሳቲፎም  (AFP or licensors)

ሊባኖስ፥ ኣብ ሕዝባዊ ምርጫ ካብቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ትሕቲ 50 ሚእታዊ ተሳቲፎም

እቶም ናይ ኣገልግልቶ ዘመኖም ዘብቅዑ መራሔ መግንስቲ ናዪብ ሚካቲ እቲ ምርጫ ምስቲ ዝቕጽል ፈጻሚ ባይቶ ዘቝሞ ሃገረ ሊባኖስ ካብቲ ተዋሒጣትሉ ዘላ ቅልውላው ንኽትወጽእ ዝሕግዝ ባይቶ ከም ዝፈጥር ተስፋ ኣገብር

ዕለት 16 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ሊባኖስ ኣብ እተኻየደ ምርጫ ሓጋጊ ዝተሳተፉ ውሑዳት ከም ዝነበሩን ካብቲ ብገምጋም ኣርባዕተ ሚሊዮን ኣቢሉ ዝኸውን ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ህዝቢ ትሕቲ ሓምሳ ሚእታዊ ጥራይ ከም እተሳተፈን እቲ 128 ኣባላት ባይቶ ንምምራጽ ዝተወሃበ ቆጸራ ድምጺ ገና ይቕጽል ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት እውን ግጭት ከም እትራእየን ሓይሊ ጸጥታ እውን ነዚ ሁከት ዝተመልኦ ኵነት ንምህዳን ስጒምቲ ከም ዝወሰደ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 16 ግንቦት ልዕሊ 41 ሚእታዊ ዝግመት ህዝቢ ድምጺ ኣብ ምሃብ ከምእተሳተፈን እዚ ኣሃዝ እዚ ካብቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ካብ እተሳተፈ 48.68 ሚእታዊ ዝተሓተ እኳ እንተዀነ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጒዳያት ግና እቲ ኣህዝ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ዝርከቡ ናይ ዜጋታት ድምጺ ዘጥቓልል ድዩ ኣይኮነ ከም ዘይገልጹ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ምርጫ እዚ ካብቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ህቡብ ተቓውሞ ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ንመጀመርታ ግዜ እተኻየደን ነቲ ብምልእታ እታ ሃገር ዝዓጸወ ዝኸፍአ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ተሓታቲ ዝዀነ ፖለቲካዊ ክፍሊ ምትካእ ዝሓትት እዩ። እቶም ናይ ኣገልግልቶ ዘመኖም ዘብቅዑ መራሔ መግንስቲ ናዪብ ሚካቲ እቲ ምርጫ ምስቲ ዝቕጽል ፈጻሚ ባይቶ ዘቝሞ ሃገረ ሊባኖስ ካብቲ ተዋሒጣትሉ ዘላ ቅልውላው ንኽትወጽእ ዝሕግዝ ባይቶ ከም ዝፈጥር ተስፋ ኣገብር እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

17 May 2022, 16:57