ድለ

ናይ ኣፍሪቃ መንግስታት ቁጠባዊ ሽርክነት ክገብራ ተጸዊዑ ናይ ኣፍሪቃ መንግስታት ቁጠባዊ ሽርክነት ክገብራ ተጸዊዑ  (ANSA)

ናይ ኣፍሪቃ መንግስታት ቁጠባዊ ሽርክነት ክገብራ ተጸዊዑ

ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብ ኣፍሪቃ ሰነጋል ኒጀርን ናይጀርያን ዝገበርዎ ዑደት መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ሰብኣዊ ውሕስነትን ውሑስ ዕብየትን ዝውዕል ልቓሕን ሓገዛትን ክረኽባ ጸዊዖም።

ኣባል ኢየሱሳውያን ማሕበር ልኡካነ ወግኔል ናይ ቁጠባ ክኢላ ኣባ ኣቤል በራንገር ግን መንግስታት ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ሽርክነት ክገብራ ከምዝጸቕጡሉ ንዜና ቫቲካን ገሊጾም።

ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣይቮሪኮስት ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ኣባ ኣቤል ንጆውሞን ክኢላ ቁጠባን ኣባል ምርምርን ስጉምቲ ንሰላም ዝኾኑ፣ ነቲ ንኣፍሪቃ ተጻዒንዋ ዘሎ ዕዳ ክለዓለላ ዋና ጸሓፊ ዘቕረብዎ ሓሳብ ዝነኣድ ሙዃኑ ብምግላጽ እቲ ቀንዲ መሰረታዊ ሽግር ኣፍሪቃ ኣብ ኣመራርሓ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ናይ ኣፍሪቃ መንግስታት ንምንታይ እዚ ዘጋጥም ዘሎ ሽግር ከምተፈጠረ መፍትሒኡ ኸኣ እንታይ እዩ ንምፍላጥ ዕሙቕ ዝበለ ምርምር የድሊ ዝብል ሓሳብ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ስሉሳዊ ክሳራታት

ኲናት ዩክሬን ነዘን ስሉሳዊ ክሳራታት ማለት ሕጽረት መግቢ ጽዓትን ቁጠባን ኣፍሪቃ ቀንዲ ጠንቂ እዩ ክብሉ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረሽ ኣብ ዳካር ኣብ ዘካየድዎ ድሕሪ ኮቪድ 19 ናይ ፈለማ ዑደቶም ናብ ኣፍሪቃ ገሊጾም።

ምስ መራሒ ሃገር ሴነጋል ማኪ ሳላ እውን ተማሳሳሊ ሓሳብ ብምቕራብ ነዘን ዘይማዕበላ ሃገራት ብኸቢድ ከምዝጸልወን ጸቒጦሙሉ። እዚ ኲናት ኣብ መግቢን ነዳድን ዝተዓጻጸፈ ናህሪ ዋጋ የስዕብ ስለዘሎ ኣቐዲሙ እውን ብኮቪድ 19 ዳርጋ 3ዕጽፊ ወሲኹ ስለ ዝጸንሐ ተወሳኺ ነባራዊ ኩነታት ኣየርን ኩናትን ተወሲኹዎ ብፍላይ ንትሕተ ስሃራ ሃገራት ሴነጋል ወሲኽካ ዝወርድ ጥሜት ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ከውርድ ምዃኑ ንመግማቱ ኣየጸግምን።

ዝዓዘዘ ቁጠባዊ ሽርክነት

ኣፍሪቃ ብዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ናይ ቁጠባ ምውህሃድ ምግባር እቲ ዝበለጸ ኮይኑ ናብ እዘን ቁጠባዊ ሓገዛት ዝገብራ ትካላት ክትሙርኮስ ከምዘይብላ ብምትሕስሳብ ነንሕድሕደን ዶባተን ከፊተን ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣቑሑ ዕዳጋ ክኣቱ ክወጽእ ከምኡ እውን ኣገልግሎታት እንተ ኣታኣታትየን ዝድለ ዕብየት ንምምጻእ ሓደ ፍታሕ እዩ ክብሉ ኣባ ንጆውሞን መኺሮም።

ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ቀይዲ

ኣባ ንጆውሞ ላመንትድ እዚ ቀይዲ ኣብ ማሊ ጒንያን ቡርኪና ፋሶን ዝተነብረ ንዓታትን ጥራይ ዘኮነ ዝጎድእ ዋላ ነተን ጎረባብቲ ሃገራት ስለ ዘራኻኽበለን ህጉራዊ ሃስያ ዘስዕብ ኮይኑ ተጸባይነት ሓገዝ ዘጋድድ ሙዃኑ ብምጥቃስ ነቲ ብመራሕቲ ሃገር ዝተገብረ ውሳኔ ኣውጊዞም። 

13 May 2022, 17:31