ድለ

ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ብሚልዮናት  ብሓያል ዋዒ ይጥቅዑ ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ብሚልዮናት ብሓያል ዋዒ ይጥቅዑ   (ADNAN ABIDI)

ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ብሚልዮናት ብሓያል ዋዒ ይጥቅዑ

ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተመዝገበ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት እቲ ዝለዓለ ክኸውን ከሎ ናይ ምሉእ ወርሒ ማእከላይ ገምጋም 33.1 ዲግሪ ሴንቲግረድ ብኻልእ ኣዘራርባ 1.86 ሴንቲግረድ ዝያዳ ካብቲ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተመዝገበ ማእከላይ ገምጋም ክከውን ከሎ . . .

ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት እቲ ዝበርትዐ ሙቐት ዝተመዝገበሉ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ካብ 43 ክሳዕ 46 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሐ ኮይኑ ንህንድን ፓኪስታንን ብማዕረ ይጸልወን።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ

እዘን ክልተ ሃገራት ብማዕረ ብዋዒ ኣብ ዝተጠቓዓሉ ግዜ በቲ ሓደጋ ንዝተጠቕዐ ህዝበን ንምድሓን ብሓደ ኮይነን መደብ ሀጹጽ ምክልኻል ሓደጋ ይሰርሓሉ ምህላወን ኣተሓባባሪ ትካል ነባራዊ ኩነታት ኣየር ዓለም ገሊጾም።

እዚ ንኹሉ ዓይነት ሂወት ዘለዎ ጽልዋ ዘምጽእ ሓደጋ ኣብቲ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸር ጽዑቕ ሀዝቢ ዝርከቦ ክፋል ዓለም ኤስያ ዝርከባ ህንድን ፓኪስታንን ብሓባር ንኽብድህኦ ብተገዳስነት ኣብ ዝሰርሓሉ ዘለዋ እዋን ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ህጹጽ ሓደጋ ሃገራዊ ነባሪ ኩነታት ኣየር ማይን ጽዓትን ኮይነን ብዛዕባ ጥዕና ህዝቢ ክንክን ከምቲ ዝሓለፈ ቀረባ  ዓመታት ዝተገብረ ዕዉት ምድሓን ሂወት  ሓዲሽ መርሓ ግብሪ ብምሕንጻጽ ኣብ ምትግባር ይርከባ ክብል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ከባቢ ኣየር ገሊጹ።

መርሓ ግብሪ

እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋዒ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኩሉ ዓይነት ፍጡር፣ ሕርሻ፣ ምንጪ ማይን ጽዓትን፣ ከምኡ እውን ቀንዲ ናይ ቁጠባ ምንጭታት ከይተረፈ ዘጠቓልል ሓደጋ እዩ።

ኣብ ኩሉ ዓይነት ስርሓት ዝነጥፉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ፣ ኣብ ህንጻ፣ ሕርሻ፣ ፋብሪካታትን ካልኦት ጉልበት ዝሓቱ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብምቖት ዝስዕብ ቅጽበታዊ ሞትን ሕማምን ይጥቅዑ።

ናይ ዓለም ነባራዊ ኩነታት ኣየር ኣተሓባባሪ ትካል ንዝመጽእ ሓደጋ ኣቐዲምካ ምድላውን መጠንቀቕታ ምሃብን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ ንምትግባሩ ቃል ኣትዮም።

እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ዝገበርኦ ኣብ ብምቖት ዝመጽእ ምምዝባል ጥዕና ምጥንቃቕን ምክልኻልን ኣብ ዝተወስደ ዕዉትን ውሁድን ስጉምትታት ኣብ ህዝቢ ዘስዕቦ ሞትን ቅልውላውን ከጉድልዎ ከምኡ እውን ናይ ስራሕ ንጥፈት ኣብ ምውሳኽ ለውጢ ከምጽኡ ከም ዝኸኣሉን ተሓቢሩ።

መዝገብ መጠን ሙቐት

እዚ ኩነታት ኣየር ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ መንሱን ህቦብላ ምስ መጸ እናጎደለ ከምዝኸይድ ናይ ነባሪ ኩነታት ኣየር ምርምር ኣፍሊጡ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተመዝገበ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት እቲ ዝለዓለ ክኸውን ከሎ ናይ ምሉእ ወርሒ ማእከላይ ገምጋም 33.1 ዲግሪ ሴንቲግረድ ብኻልእ ኣዘራርባ 1.86 ሴንቲግረድ ዝያዳ  ካብቲ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተመዝገበ ማእከላይ ገምጋም ክከውን ከሎ ፓኪስታን ንልዕሊ 60 ዓመታት ዘይረኣየቶ እዩ።

ኣብ መሬት ካብ ዝተመዝገቡ ዝለዓለ ሙቐት ዝተመዝገበላ ፓኪስታን ብ ሮቡዕ 47, ቀዳም ከኣ 49 ዲግሪ ሴንቲግረድ ኣብ ጃኮባባድ ተመዝጊቡ። ኣብ ህንዲ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኡተርፓራድሽ ብሮቡዕ 47.4 ቀዳም ከኣ 48 ዲግሪ ሴንቲግራድ ተመዝጊቡ።

ፓኪስታን

ኣብ ፓኪስታን ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከይኣትዉ ዘፍርህ ዘሎ ኣብተን ነዋሕቲ ኣኽራናት ዝነበረ በረድ ብሰንኪ ዋዒ ይመክኽ ብምህላዉ ኣብ ታሕቲ ዝርከባ ቀላያት መሊኡ ዘስዕቦ ጋሻ ውሕጅ ከየጥቅዖም እዩ።

ፓኪስታን ኣብዚ ቅድሚ ሰሙናት ናይ ፖለቲካ ቅልውላው ጀሚርሉ ዘሎ ግዜ ሕጽረት ነዳድን ጸዓትን ኣጋጢሙ ብምህላዉ ናይ ኤለክትሪክ ሕጽረት ብምስዓቡ ጾም ከይጸልመተ ከፍጥሩ - ክፈትሑ ተገዲዶም ከምዘለዉ ይንገር።

ህንዲ

ህንዲ ውን ብተመሳሳሊ ብሰንኪ ሙቐት ናይ ጽዓትን ኤለክትሪክን ሕጽረት ብምግጣሙ ካብ ቅድሚ 40 ዓመት ጀሚሩ ዝነበረ ጠለብ ጽዓት እናወሰኸ ዝኸደ ተደሚሩ ዘጋጠመ ጸገም ንምፍታሕ ካብተን 75% ብነዳዲ ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ መጓዕዝያ ህዝቢ እተን 753 መስመር መጓዕዝያ ብናይ ከሰል ዝጥቀማ መጓዓዚያ ንምትካእ ደው ክብላ ከለዋ ብከላ ግን ክወስኽ ሙዃኑ ይፍለጥ። ኣብ እስያ ብዙሕ ናይ ሓዊ ሰደድ ሓደጋታት የጋጥሙ ስለ ዘለዉ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እውን ጫካታት፣ ኣገደስቲ ህንጻታት ኣብያተ ሕክምና ክነድድ ርኢና ኢና። ስለዚ ኣብ ህንዲ እውን ሰደድ ባርዕ ሓዊ ከይላባዕ ይፍራህ ስለ ዘሎ ብሓያል ናህሪ ከየጥቅዓ ጥንቃቐ ክግበር መራሒ ሃገር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ብሰሉስ ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ደልሂ ዝርከብ ዓርሞሸሽ መጉሓፊ ቦታ  ዘሎ ዘየቋርጽ ባርዕ ኣብ ነባራዊ ኩነታት ኣየር ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝፍለጥ እዩ።

ለውጢ ነባራዊ ኩነታት ኣየር

ኣብዘን ክልተ ሃገራት ዘጋጥመ ናይ ሙቐት ለውጢ በቲ ከባብያዊ ኩነታት ኣየር ጥራይ ዘይኮነ ብዝመጽእ ዘሎ ናይ ዓለም ነባራዊ ኩነታት ኣቐዲሙ ብምምጻእ ዘስዕቦ ለውጢ ዓቢ እጃም ከም ዘለዎ ናይ ዓለም ኣተሓባባሪ ለውጢ ኣየር ገሊጾም። ኣብ መበል ሻዱሻይ ጸብጽጻብ ዳህሳስ ናይ መንግስታት ጉባኤ ዛዕባ ነባራዊ ኩነታት ኣየር፡ ኣብ ደቡባዊ ወገን እስያ ናይ ሙቐትን ጠሊን ጸቕጢ እናበርትዐን ብተደጋጋሚ ክመጽእ ምዃኑ የገንዝብ።

እዚ ከቢድ ሙቐትን ከቢድ ጸቕጢን ሳዕቤን ናይቲ ብቐጻሊ ዝኽሰት ዘሎ ልዕሊ መጠን ሙቐት ዝነቐለ ከም ዝኾነ ዓለማዊ ውድብ ነባራዊ ኩነታት ኣየር ኣተሓባባሪ ገሊጾም። 

02 May 2022, 17:15