ድለ

“ማሃማት ደብይ ኢትኖ ንነብሱ ከም መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘይኮነስ ከም መራሒ ሃገረ ሪፓብሊክ ጫድ ኮይኑ እዩ ዝስመዖ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘተ ምክያድን ህዝባዊ ትካላት ምድዳብን፥ ናቱ ልዕልና ዝናን ጥራይ እዩ ዘሳሲ ዘሎ” “ማሃማት ደብይ ኢትኖ ንነብሱ ከም መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘይኮነስ ከም መራሒ ሃገረ ሪፓብሊክ ጫድ ኮይኑ እዩ ዝስመዖ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘተ ምክያድን ህዝባዊ ትካላት ምድዳብን፥ ናቱ ልዕልና ዝናን ጥራይ እዩ ዘሳሲ ዘሎ” 

ኣብ ጫድ ዘይተተግበረ ቃልን ጸገማት ኣብ ምስግጋር

ተቓወምቲ ጫድ ኣብ ቐጠር ምስ ሰበ-ስልጣን ጫድ ዝተገብረ ናይ ሰላም ዘተ፣ ናይ ዕርቂ መደብ ናብ ኤን ጀሚና ጫድ ንምስግጋር ተሰማሚዖም።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ተቓወምቲ ዋላኳ ተተሰማምዑ እቲ ምንዋሕ ብዋጋ ነቲ ውሳነ ምቛም ህዝባዊ መንግስቲ ክኸውን ከምዘይብሉ የብርሁ።

ናይ ዕርቂ ስምምዕ ብዘይ ቆጸራ ተናዊሑ

ተዓዘብትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ጫድ ነቲ 18 ኣዋርሕ ዝተዋህባ ናይ መሰጋገሪ ግዜ ከይተጠቐመትሉ ከይሓልፍ ስግኣት ብምህላዉ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ልዕሊ 18 ወርሒ ክወሰድ ከምዘይብሉ የስምር።

ሰበ-ስልጣን ጫድ ብወገኖም ነቲ ኣቐዲሙ ንዕለት 10 ግንቦት ተታሒዙ ዝነበረ ዘተ ዕርቂ ብዘይ ቆጸራ ክናዋሕ ዝደለይዎ ይመስሉ።

ኣብ 2021 ዓ.ም. ነበር መራሒ ሃገር ኢድሪሶ ዶብይ ምስ ተቓወምቲ ኣብ ዝተገብረ ኲናት ድሕሪ ምሟቶም ወዶም ማሃማት ዶቡይ ኢትኖ 15 ጀነራላት ዝርከብዎም መራሕቲ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምምስራት ናብ ህዝባዊ መንግስቲ ከም ዘሰጋግራ ቃል ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር።

ዝተቖጽየ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ

ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ተሳትፎኡ ንምዕዛዝ፡ እዞም ነቲ ናይታ ሃገር መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ነቲ ናይ ዕርቂ መደብ ጎስዮም ብዘይ ቆጸራ ከምዝገደፍዎ ተፈሊጡ።

“ማሃማት ደብይ ኢትኖ ንነብሱ ከም መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘይኮነስ ከም መራሒ ሃገረ ሪፓብሊክ ጫድ ኮይኑ እዩ ዝስመዖ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘተ ምክያድን ህዝባዊ ትካላት ምድዳብን፥ ናቱ ልዕልና ዝናን ጥራይ እዩ ዘሳሲ ዘሎ” ክብሉ ናድጂተሎውም ሳሎሞን ናይ ሕጊ በዓል ሞያን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተሟጓቲ ኣብ ጫድ ዝተዓዘብዎን ዝተሰምዖምን ገሊጾም።    

12 May 2022, 16:28