ድለ

ዓማጽያን ሀይቲ ዲፕሎማት ይጨውዩ ዓማጽያን ሀይቲ ዲፕሎማት ይጨውዩ  (ANSA)

ዓማጽያን ሀይቲ ዲፕሎማት ይጨውዩ

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ክፈናቀሉ ከለዉ ህጻናት ዝርከብዎም 20 ሰባት ሞይቶም 12 ኣባይቲ ድማ ተቓጺሉ። እዚ ዝተራእየ ኩነት ኣብታ ሃገር ሕግን ልዕልና ሕጊን ከምዘየለ ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ሀይቲ ናይ ዓማጽያን ምስፍሕፋሕ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዘለዉ ጸገማት ናይ ሪፓብሊካዊት ዶመኒካ ልኡከ መግንስቲ ጨውዮም።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሀይቲ ዓመጽቲ ጉጅለ ንፍሉጣት ሰባት  ምጭዋይ ዝለመዱ፡ ኣብ ናይ ሃገር ሪፓብሊክ ዶመኒካ ልኡከ መግንስቲ ቤት ጽሕፈት፡  ልኡኽ ጒዳያት ንግዲ ዝኾኑ ካርሎስ ግዮለን ትማሊ ዓርቢ ንዓዶም እናኸዱ ኣብ ዞባ ክሮይክስ ደ ቡኬትስ ብ 400 ማዋዝ ዝፍለጥ ዓማጺ ጉጂለ ተጨውዮም።

ጭውያ ንገንዘብ

ኣብ ስድራ ኣልቦ ምሕጋዝ ዝተዋፈሩ 16 ኣሜሪካውያንን ሓደ ካናዳዊን ዝርከቦም፡ ናይ ክርስቲያን ተራዳኣያን ዝሓለፈ ጥቅምቲ ተጨውዮም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፣ እቶም ጉጅለ ንኽመልስዎም ንነፍሲ ወከፎም 1 ሚልዮን ዶላር ክኽፈለሎም ሓቲቶም ምንባሮም፣ እንተኾነ ግን ነቶም ሓሙሽተ ብሕማም ከፋንውዎም ከለዉ እቶም ዝተረፉ 12 ሰባት ከኣ ከምልጡ ዕድል ከም ዝረኸቡ ይፍለጥ።

ዓላማ ኣልቦ ግህሰት

እዞም ብ 400 ማዘዎ ዝፍለጡ ዓማጽያን ጉጅለ ዝያዳ ኣድህብኦም ኣብ ወጻእተኛታት ዘተኮሩ፡ ዝለዓለ ገንዘብ ንምርካብ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ናይ ሪፓብሊክ ዶመኒካ ዲፕሎማት ከፋንውዎ ፍርቂ ሚልዮን ሓቲቶም። ህዝቢ ሀይቲ  እውን በዞም ዓማጽያን ዝኸበደ ስቓይን መከራን ይወርዶም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብታ ዋና ከተማ ፖርተ ኣው ፕሪንሰ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓማጽያን ሓይልታት ዝተገብረ ግጭት ረብሻ ብምልዕዓል ከቢድ ሓደጋ ኣስዒቡ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ክመዛበሉ ከለዉ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 20 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 12 ኣባይቲ ድማ ከም እተቓጸለን ይፍለጥ፡ እዚ ዝተራእየ ኩነት እዚ ኣብታ ሃገር ሕግን ልዕልና ሕጊን ከምዘየለ ዘመላኽት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።   

04 May 2022, 10:56