ድለ

ካሪታስ ኣውስትራሊያ፥ ብሰንኪ ቅልውላው ጥምየት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ስግኣት የንጸላልው! ካሪታስ ኣውስትራሊያ፥ ብሰንኪ ቅልውላው ጥምየት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ስግኣት የንጸላልው! 

ካሪታስ ኣውስትራሊያ፥ ብሰንኪ ቅልውላው ጥምየት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ስግኣት የንጸላልው!

“ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ከቢድ ዝገብሮ ከኣ ኣህጉራዊ ናይ መግቢ መርሃ ግብሪ ውድብ እውን ከይተረፈ ብገምጋም ሓምሳ ሚእታዊ ስርናይን ዕፉንን ንምርካብ ኣብ ዩክረይንን ሩሲያን ዝውከል ምዃኑ እዩ

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣውስትራሊያ ነተን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚርከባ ሃገራት እንኰላይ ንኢትዮጵያን ሶማልያን ኤርትራን ብህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድሊ ጻውዒት የቕርብ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ህዝብታት ዋሕዲ ዝናም ከም ዘጋጠሞምን ገለ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍአ መዓት ኣንበጣ ቀጻሊ ግጭት ስደትን ጽልዋ ለብዒ ኮቪድ - 19ን የሕልፉ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ዞባ ንብርቱዕ ጥሜትን ስእምነት መግብን ተቓሊዑ ከም ዘሎ ካሪታስ ጨንፈር ኣውስትራሊያ ገሊጹ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ጻውዒት የቕርብ ከም ዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ጂቡቲ ኤርትራ ኢትዮጵያ ሶማሊያ ዝርከቡ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከቢድ ጥሜት የጋጥሞም ኣሎ ከም ዝበለን “እቲ ልዕሊ ኵሉ ዘተሓሳስብ ከኣ እቲ ከባቢ ኣብቲ ካብ ዩክረይንን ሩሲያን ዝመጽእ እኽልን ድዅዕን ዚምርኰስ ብምዃኑ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነቲ ድሮ ብጥሜት ዝሳቐ ዘሎ ዞባታታት ንዝኸፍኤ ጥሜት ይዳርጐ ከም ዘሎን ድሮ ነቲ ዘሎ ክቡር ዋጋ መነባብሮ ህዝቢ ክጻወሮ ናብ ዘይኽእል ደረጃ ክብ የብሎ ምህላው የመላኽት ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካሪታስ ኣውስትራሊያ፥ ሰብኣዊ ሕገዝ ክቐርብ ጻውዒት የቕርብ!

ጨንፈር ካሪታስ ኣውስትራሊያ ነተን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት እንኰላይ ንኢትዮጵያን ሶማሊያን ኤርትራን ብህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ክቐርብ ጻውዒት ኣቕሪቡ፥ “ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ከቢድ ዝገብሮ ከኣ ኣህጉራዊ ናይ መግቢ መርሃ ግብሪ ውድብ እውን ከይተረፈ ብገምጋም ሓምሳ ሚእታዊ ስርናይን ዕፉንን ንምርካብ ኣብ ዩክረይንን ሩሲያን ዝውከል ምዃኑ እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምርካብ ነቲ ዘሎ ከቢድ ስእነት መግብን ጥምየትን ዝገደደ ከምዝኸውን ገሊጹ፥ ካሪታስ ኣውስትራሊያ ደጊሙ ናብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ረድኤት ክለኣኽ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።

23 May 2022, 09:36