ድለ

ውሳኔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣያ ዛዕባ ስደተይናታት ውሳኔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣያ ዛዕባ ስደተይናታት   (AFP or licensors)

ውሳኔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣያ ዛዕባ ስደተይናታት

ኣብቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ 120 ሚሊዮን ፓውንድ ዝተሰልዓሉ መደብ ስደተኛታት ካብ እንግሊዝ ናብ ሩዋንዳ ምግዕዓዝ ናይ ትግባረ ውዕል ንምፍርራም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ ወሮ. ፕሪቲ ፓተል ኣብ ከተማ ኪጋሊ ምብጻሕ ከም ዘካየዳ

ንብዙሓት ወገናት ኣግራሞትን ዘይምርድዳእን ዝፈጠረ ብናይ መራሔ መግንስቲ ቦሪስ ጆንሶን ዝተፈነወ እወጃ ናይ ዘይ ሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ርዋንዳ ምግዕዓዝ ዝምልከት መደብ፡ ውደብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ይቃወሞ።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን

እንግሊዝ ሓለዋ ወሽመጥ ባሕሪ ብዝብል ዘዋፈረቶ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ዘይ ሕጋዊያን ስደተኛታት ዘተኮረ እዩ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ጥራይ ኣስታት 600 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብቲ መብዛሕትአን ስደተኛታት ዝጸዓና ንኣሽቱ ጀላቡ ዝጽግዓሉ ገምገም ባሕሪ ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ መደብ ምጉዕዓዝ ስደተኛታት ካብ እንግሊዝ 6000 ኪሜ ርሕቀት ናብ ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ርዋንዳ ዘቕንዐ እዩ።

ትግባረ ምዝገባ ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ

ናይ እንግሊዝ መሰል ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣቐዲሞም ርዋንዳ ብምኻድ ዘድሊ ቅጥዒ ኣማሊኦም በቲ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ምስ ተጻረየ እቶም ሕትኦም ተቐባልነት ዝረኸበ ኣብ ዘለውዎ መሰል ስደተኛታት ክኽበረሎም ከምዝኾነ እቶም ዝተነጽጉ ግን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም መርሔ መንግስቲ ቦሪስ ጃንሶን ሓቢሮም።

ናይ ስደተይናታት ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ትካል ው.ሕ.ሃ. ተቓውሞ የቕርብ

ኣብቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ 120 ሚሊዮን ፓውንድ ዝተሰልዓሉ መደብ ስደተኛታት ካብ እንግሊዝ ናብ ሩዋንዳ ምግዕዓዝ ናይ ትግባረ ውዕል ንምፍርራም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ ወሮ ፕሪቲ ፓተል ኣብ ከተማ ኪጋሊ ምብጻሕ ከም ዘካየዳ ይንገር።

ብዙሓት ትካላት ተሓለቕቲ መሰላትን  ናይ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ጉዳያት ዝከታተል ላዕለዋይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብጽኑዕ ተቓዊመንኦ።

ሕቡራት መግስታት፡ መንግስቲ እንግሊዝ ወጢንዎ ዘሎ ናይ ስደተኛታት ምጉዕዓዝ ናብ ኣፍሪቃ ብምቅዋም ዋላ እቶም ዓቃባውያን ውን ክቕበልዎ ዝኸብድ ምትግባሩ ዘይከኣል እዩ ክብል ብትረት ተቃውምኡ የስምዕ።

16 April 2022, 17:16