ድለ

ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ ሞት ኣደታት ኣብ ግዜ ሕርሲ ብሰለስተ ዕጽፊ ይውስኽ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ ሞት ኣደታት ኣብ ግዜ ሕርሲ ብሰለስተ ዕጽፊ ይውስኽ  (ANSA)

ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ ሞት ኣደታት ኣብ ግዜ ሕርሲ ብሰለስተ ዕጽፊ ይውስኽ

ኣብቲ ጸብጻብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮት ቆልዑ ከምዘርእዮ እዚ ብሕርሲን ጥንሲን ዝስዕብ ዘሎ ሞት ኣደታት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝወሰኸሉ ምኽኒያት፣ 40% ሓኻይም ብፍላይ ምስ ኣደታትን ህጻናትን ዝተተሓሓዘ ዝሰርሑ ዝነበሩ ከምኡ ውን 30% ኣዋለድቲ ኣለይት ሕሙማት ብሰንኪ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ካብታ ሃገር ብምውጽኦም

ብሮቡዕ ዝተፈነወ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮት ቆልዑ፣ ቁጠባዊ ቅልውላቅ ዘስዓቦ ኣብ ሕርሲ ዘጋጥም ሞት ኣደታት ሊባኖስ፣ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ከምኡ ውን ጥዕና ቆልዑ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝበጽሐ የረድእ።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቀውሲ ብዘለዎ ናህሪ ንሊባኖስ እንተ ዓብሊልዋ ናይ እቶም ተጠቃዕቲ ወገናት ስቓይ ክገድድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ሞት ኣደታት ኣብ ሕርሲ

ኣብቲ ጸብጻብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮት ቆልዑ ከምዘርእዮ እዚ ብሕርሲን ጥንሲን  ዝስዕብ ዘሎ ሞት ኣደታት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝወሰኸሉ ምኽኒያት፣  40% ሓኻይም ብፍላይ ምስ ኣደታትን ህጻናትን ዝተተሓሓዘ ዝሰርሑ ዝነበሩ ከምኡ ውን 30% ኣዋለድቲ ኣለይት ሕሙማት ብሰንኪ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው ካብታ ሃገር ብምውጽኦም እዩ ክብል የረድእ።

እቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል፡ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ስደት ውድቀት ናይታ ኣብ ከባቢኣ ከም ኣብነታዊት ጽፈት ሕክምና ትጥቀስ ዝነበረት ሃገር እዩ ክብሉ ኣስሚሮሙሉ።

ናይ ሃገራዊ ውድብ ድሕነት ኣደታት ሊባኖስ ኣተሓባባሪ ፋይሰል ኣል ካክ፡ እቲ ሞት ኣደታት ብሰንኪ ቁጠባ ጥራይ ዘይኮነ ዝዓበየ ጉድኣት ዘውረደ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኾሮና ተህዋስ ቅዩር ተህዋስ ዘስዓቦ እዩ ኢሎም።

ሓደጋ ኣብ ህጻናት

በዚ ወሪዱ ዘሎ ቀውሲ ዝያዳ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ህጻናት ብብዝሒ ይርከብዎም ። ኣብ ኣርባዕተ መዕቆቢ ስደተኛታት ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡  ካብ ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ፣ ካብ ሰለስተ ቆልዑ እቲ ሓደ ናይ ሕክምና ዕድል ከምዘይረክብ ፣ሞት ናጽላታት ትሕቲ ኣርባዕተ ሰሙን ብቕጽበት ከምዝወሰኸ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮት ቆልዑ ገሊጹ።

ኣብ ሊባኖስ ዘለዉ ሶርያውያን ስደተኛታት ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ይበጽሑ፣  እዚ ማለት ከኣ ዳርጋ ርብዒ ናይታ ሃገር ህዝቢ እዩ።

ቁጠባዊ ቅልውላው

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ሊባኖስ ብሰንኪ ቁጠባ ዘጋጠመ ሕጽረት ሕብስቲ ንምርግጋእ 15 ሚልዮን ዶላር ክሰልዕ ከም ተሰማምዐ ተሓቢሩ።  መበገሲኡ እቲ ኣብ ኩሉ መሰንከቲ ሕብስቲ ዝርኣ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ መስርዕ ህዝቢ ከምኡ ውን እቶም ኣፍረይቲ ብተደጋጋሚ ቃል ዝተኣትወሎም ድጎማ ብዘይ ምትግባሩ ንዝቐረበ ሐቶታት ንምምላስ እዩ።

ዋላ እኳ ውፉያት ሰብ ሞያ ሕክምና ነቲ ስራሕ ክዓሙ ይቃለሱ እንተሃለዉ ኣባይቲ ስድራ ብተደጋጋሚ ጸገም ዝፈጥረሎም ዘሎ ደቆም ከሐክሙ ስለ ዘይክእሉ እዩ።

ኣብቲ ሓፈሻዊ ቅልውላው ተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ውን ብተዘዋዋሪ ነቲ ምንቅስቕስ ዋጋን መጓዓዚያን ጽልዋ ጌሩ እዩ ክብሉ  ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮት ቆልዑ ተወካሊ ኣብ ሊባኖስ እትየ ሂጅንስ ገሊጾም።

ነቲ ህዝቢ ብኹሉ መዳይ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑዎ ዘሎ እቲ ቁጠባ ሃገር ስለ ዝወደቐ ብመንግስቲ ዝድጎም ዝነበረ ሕክምናን ነዳድን ስለ ዝተልዓለ ሙዃኑ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮት ቆልዑ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ የመልክት።

21 April 2022, 17:18