ፊሊፒንስ፥ መጊ ዝብል መጸውእ እተወሃቦ ህቦብላ ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣጥፊኡ
ካብ ቀዳም ዕለት 9 ሚያዝያ ናብ ሰንበት ሰንብት ዕለት 10 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ማእከላይን ደቡብን ዞባታት ፊሊፒንስ መጊ ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦብላን ብርቱዕ ዝናብን ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ 25 ሰባት ከም ዝሞቱ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ፊሊፒንስ መጊ ዝብል መጸውዕ እተወሃቦ ህቦባል ቅድሚ በዓለ ትንስኤ ሓደ ሰሙን ብዙሓት ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን ከቢድ ዕንወት እውን ከም ዘስዓበ ክንገር እንከሎ መብዛሕቲኦም እቶም ዝመቱ ብሰንኪ መደራጋሕ ምዃኑን ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰኑይ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣርባዕተ ኣቝሻት ከምዘባደመን ዕስራን ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን እንተ ወሓደ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ናይ ከተማ ባይባይ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ገሊጹ፥
ህይወት ሰብ ንምድሓ እተገብረ ጻዕርታት
ሓለውቲ ገማግም ባሕርን ሓይሊ ጸጥታን መጥፋእቲ ሓውን ነቶም ምዕልቕላቕ ማይ ዘጋጠሞም ተቐማጦ ነቶም ህይወቶም ካብ ሞት ንምድሓን ናብ ናሕሲ ኣባይቶም ዝደየቡ ሰባት ንምድሓን ደኺመ ከይበሉ ይዓዩ ከምዘለዉን ኣብ ማእከላይ ከተማ ሴቡ ኣብያተ ትምህርትን ኣባይቲ ዕዮም ከም እተዓጸወን ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ፊሊፒንስ ጠቒሱ እንከመላኽት ኣስዒቡ፥ 30 ሺሕ ዝግመቱ ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ብዙሓት እውን ናብ ህጹጽ መዕቆቡ ከም ዝኸዱ ይሕብር።