ድለ

ሩስያ ምዕራባውያን ንዩክሬን ከየዕጥቓ ኣጠንቂቓ ሩስያ ምዕራባውያን ንዩክሬን ከየዕጥቓ ኣጠንቂቓ 

ሩስያ ምዕራባውያን ንዩክሬን ከየዕጥቓ ኣጠንቂቓ

እቲ ወጥሪ ዘስዓበ ዑደት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዩክሬን ኣብታ ዋና ከተማ ዘሎ ናይ ሓባር መቓብር ዝዓነዉ ህንጻታት ምስ ረኣዩ ንነብሶም ብምናብ ኣብኡ ኣቐሚጦም ኣብዚ ህጻናት ደቀይ ተዝነብሩ አሞ ኣብ ልዕሊኦም ተዝፈርሶም ኔሩ ከምኡ እውን ደቂ ደቀይ ህጻናት ኣንፈቶም ስሒቶም ክከላበቱ ክትርኢ ቃንዛ ሓዘኑ ተራእዩኒ

ሩስያ ምዕራባውያን ንዩክሬን ኣጽዋር ኣንተ ኣዕጢቐንኣ ኣውሮጳ ክትናወጽ ምዃና ተጠንቅቕ።

እዚ መጠንቀቕታ መንቅሊኡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ዩክሬን ዑደቱ ናይታ ዋና ከተማ ኪቭ ብደብዳብ ናይ ሩስያ ዝስዓበ ዕንወት ምስ ረኣየ ዘርኣዮ ግብረ መልሲ ምስተዓዘበት እዩ።

ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ ዋና ጸሓፊ  ኣባላት ሃገራት ንዩክሬን ዝገብርኦ ሓገዝ ከዕዝዝኦ ኣለወን ምኽንያቱ እዚ ውግእ ብቐሊሉ ደው ዝብል ኣይኮነን፣ ብምባሉ ክረምሊን ትማሊ ሮብዕ ምዕራባውያን ንዩክሬን ዝህብኣ ከበድቲ ኣጽዋር ደው ከብላ ኣጠንቂቓ። እንተ ደኣ ከቢድ ብረት ምቕራብ ዘየቛሪጸን ግን ኣውሮፓ ክትናወጽ ሙዃና ብፍላይ አንግሊዝ ንዩክሬን ኣብ ውሽጢ መሬተይ ኣትዮም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ትጉስጉስ ኣላ ክትብል ሩሲያ ትወቅስ።

ዩክሬን ብወገና ዘድሊ ኣጽዋር ክወሃባ እሞ ናይቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሃለቑ ህዝባ ሕነ ምፍዳይ ከምትደሊ ገሊጻ። ብተወሳኺ ሩስያ ናይ ተፈጥሮ ጋዝን ንግድን ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒማ ጋዝፕሮም ንፖላንድን ቡልጋሪያን ኣባል ስሜናዊ ኪዳን ኣትላንቲክ ብምዃነን ጥራይ ከምዘቛረጸትለን ገሊጻ።

ነድሪ ዋና ጽሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

እቲ ወጥሪ ዘስዓበ ዑደት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዩክሬን ኣብታ ዋና ከተማ ዘሎ ናይ ሓባር መቓብር ዝዓነዉ ህንጻታት ምስ ረኣዩ ንነብሶም ብምናብ ኣብኡ ኣቐሚጦም ኣብዚ ህጻናት ደቀይ ተዝነብሩ አሞ ኣብ ልዕሊኦም ተዝፈርሶም ኔሩ ከምኡ እውን ደቂ ደቀይ ህጻናት ኣንፈቶም ስሒቶም ክከላበቱ ክትርኢ ቃንዛ ሓዘኑ ተራእዩኒ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ ኪቭ ዝሰዓበ ዕንወት ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ክፍጸም እዩ ኢልካ ዘይትጽበዮ ሰይጣናዊ ስራሕ እዩ ክብሉ ነቶም ኣብ ቦሮድያንካ ንዝነበሩ ጋዜጠኛታት ብነድሪ ስሚዒቶም ገሊጾም።

ኣብ ቡቻ እውን ኣእዳዎም ንድሕሪት ዝተኣስሩ ዝርከብዎም ወተሃደራዊ ዘይኮነ ክዳን ዝለበሱ ሬሳታት ብምርኣዮም ኣስደሚምዎም ነዚ ዝፈጸሙ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ገበነኛታት ኲናት ንፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም ሩሲያ ውን ምሉአ ምትሕብባር ክትገብር ኣሎዋ ክብሉ ቅድሚ ምስ መራሒ ሃገር ቮሎድሚር ዘለንስኪ  ምርኻቦም ሓሳብ ሂቦም።

እዚ ኩሉ ዕንወት ከይረኣዩ ንሩሲያ ስለ ዝኸዱ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ዝተዘራረብሉ ዛዕባ ኣብ ማርዩፖል ተዓጊቶም ዘለዉ ከመይ ጌሮም ብሰብኣዊ መንገዲ ክወጽኡ ይኽእሉ ዝብል ጥራይ እዩ ነሩ።

ቁዱስ ኣቦና ር. ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝላበውዎ ኲናት ደው ክብል ተጻባእቲ ብረቶም ከውርዱ ከምዘለዎም ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህበ ምኽሪ ሰላም ክትትግብር ትኽእል፣ ምእንቲ ሰላም ኣእዳውካ ክትስሕብ ማለት ከም ``ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’’ ዝዓይነቱ ምእንቲ ህዝቢ ሕድገታት ከተርኢ ኣሎካ ክብሉ ምዒዶም።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት  ብዝገመቶ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ኣውሮፓ ክስደድ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ኩነት እዩ ክብሉ ብምግራም ገሊጾም።

30 April 2022, 17:22