ድለ

መራሒ ሃገር ከንያ ኣብ ዲ.ረ. ኮንጎ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ጸዊዖም መራሒ ሃገር ከንያ ኣብ ዲ.ረ. ኮንጎ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ጸዊዖም  (AFP or licensors)

መራሒ ሃገር ከንያ ኣብ ዲ.ረ. ኮንጎ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ጸዊዖም

እዘን ውድባት ምስ ሰበ ስልጣን ድ.ሪ. ኮንጎ ኣብ ናይሮቢ ሃናጺ ዘተ ኣብ ምክያድ ይርከቡ፣ ኩሎም ሃገሮም ኣብ ምህናጽ ክሰማምዑ ከለዉ ገሊኦም በቲ ዕጥቂ ንምፍታሕ ዝቐረበ ሓሳብ ግን ክንመኻኸረሉ ግዜ ይወሃበና ኢሎም

መራሒ ሃገር ከንያ ኡሁሩ ከንያታ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንዘለዉ ተቓናቕንቲ ጉጅለታት ብረቶም ኣውሪዶም ምስ መራሒ ሃገሮም ፈሊክስ ቺዘከዲ ሓቢሮም ንሰላምን ምርግጋእን ክሰርሑ ጸዊዖም።

ክፍሊ ዜና - ቫቲካን

ናይ ከንያ መራሒ ኡሁሩ ከንያታ ነቶም ናይ ኮንጎ ዘተ ሰላም ዝተሰመየ ከንያ ኣብ ዝጸውዓቶ ኣኼባ ዝተረኽቡ 30 ዝኾኑ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት ውድባት ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም ኩሎም ዕጡቓት ዕጥቆም ኣውሪዶም ንሰላምን ምርግጋእን ክተግሁ ናብ ምዕባለ ዘምርሕ መደባት ብምሕንጻጽ ከይተሓለሉ ሓቢሮም ብምስራሕ ሃገሮም ዘለዋ ሃብቲ ኣብ ክንዲ ንዕንወት ንኹሎም ጠቅሚ ዝውዕለሉ ኣካይዳ ክኽተሉ ነዛ ዲሞክራያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ ብሕብረት ተሰማሚዕኩም ንክትፈጥርዋ ጽዓሩ እንክብሉ ሚዒዶም።

እዘን ውድባት ምስ ሰበ ስልጣን ድ.ሪ. ኮንጎ ኣብ ናይሮቢ ሃናጺ ዘተ ኣብ ምክያድ ይርከቡ፣ ኩሎም ሃገሮም ኣብ ምህናጽ  ክሰማምዑ ከለዉ ገሊኦም በቲ ዕጥቂ ንምፍታሕ  ዝቐረበ ሓሳብ ግን ክንመኻኸረሉ ግዜ ይወሃበና ኢሎም ከም ዝሓተቱ ቤት ጽሕፈት መራሒ ሃገር ኬንያ ኣፍሊጡ።

ናይ ሰላም ጻውዒት

ደጋጊሞም ንሰላም ኮንጎ ዝጉስጉሱ ርእሰ ብሔር ከንያታ ሃገሮም ነዚ ናይ ኮንጎ ሰላም ብተገዳስነት ከምትከታተሎ ብምግላጽ ንሰላምን ምዕባለን ኮንጎ ኩሉ ግዜ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምሕጋዝ ከይሰልከና ክንዋሳእ ኢና ኢሎም።

ቀጺሎም ንመዘንኦም መራሒ ሃገር ኮንጎ ችዘከዲ ከምኡ ውን ነቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ዕጡቓት ውድባት ነቲ ናይ ኮንጎ ዘተ ሰላም ጻውዒት ሃገሮም ኣኽቢሮም ብምስታፎም ብዓቢኡ ዘተ ሰላም ምክያዶም ኣመስጊኖሞም።

ኮንጎ ኣብ ኣፍሪቃ ከምኡ ውን ኣብ ዓለም ዘለዋ እጃም ልዑል ምዃኑ ከተፍልጥ ክትክእል ኣለዋ፣ እዚ ዝተገብረ ዘተ ከኣ ሓደ ስጉምቲ ብምዃኑ ምስጋናይ ዕዙዝ እዩ ኢሎም።

መራሒ ሃገር ዲ. ሪ.  ኮንጎ ችዘኬዲ ብወገኖም እዚ  ኬንያ ዘዳለወቶ ዘተ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሃገራ ንክካየድ ዝገበረቶ ምትሕብባር ከምኡ ውን ዝተሳተፋ ዕጡቓት ውድባት ዝለዓለ ምስጋና ብምቅራብ፣ ንሃገሮም ብጣዕሚ ኣገዳሲን ጠቓሚን ምዃኑ ኣብ ተግባር ንምውዓሉ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ቀሊል ከምዘይኮነ ብቀዳምነት ዕጥቂ ምፍታሕ ነቲ ብዙሓት ክሕግዝኦም ቃል ዝኣተዋሎም ዘተባብዕ ሙዃኑ ገሊጾም።

እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ ሃናጺ ዘተ ኣብ ዝግበረሉ አዋን ሰራዊት መንግስቲ ኣብ መብራቓዊ ወገን ጥቓ ዶብ ኡጋንዳ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ምስ ብM23 ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ኲናት ምህላዉ እዩ ክብሉ መረርኦም ኣስሚዖም።

እዚ ናይ ዲ.ሪ. ኮንጎ ዘተ ሰላምን ምርግጋእን ቀቅድሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓምለ 2 ክሳዕ 5 ክገብርዎ ተመዲቡ ዘሎ ምብጻሕ ናብ ዋና ከተማ ኪንሳሻን ኣብ ምብራቃዊ ዞብ ሰሜናዊ ወገን ኪቩ ትርከብ ከተማ ጎማ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።    

29 April 2022, 15:50