ኣብ ምራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብዓለወይናታት ንጹሓ ዜጋታት ተቐቲሎም
ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 8 ሚያዝያ በቶም ጥሙራት ደሞክራሲያውያን ግንባር ዓለወይናታት ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብዝተፈነወ መጥቓዕቲ ኣብ ዞባ ኢቱሪ ቑሸት ኦቶሞበረ 14 ንጹሓን ዜጋታት ከም ዝቐተሉን ተቐማጦ ህይወቶም ንምድሓን ከም እተመዛበሉ እቶም ዓለወይናታት ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ብሓዊ ከም ዘባርውዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ዓለወይናታት ናይ ህዝቢ ንብረትን ኣባይቲ ብሓዊ ከም ዘባርዑን ተቐማጦ ቝሸት ኦቶሞበረ ከም እተመዛበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቀረባ ዓመታት ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብዓለወይናታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ንምባል ናይ ጸጥታ መስርሕ እኳ ኣብ ግብሪ ይውዕል እውን ይሃሉ እቶም ዓለወይናታት ብዝተፈላለየ እዋን ዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ ብድሆ ከም ዝኾኖን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዓለወይናታት ንምጥፋእ መንግስቲ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒት ፈጺሙ ከም ዝነበረ ክንገር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ጥሙራት ሓይልታት ዓለወይናታት ኣብቲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ምስ ኡጋንዳ ኣብ ዘዳብው ቦታታት ከም ዝሰፈረ የመላኽት።
ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመት ህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናብ ኡጋንዳ ከም ዝሰገሩን ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ከም እተመዛበሉን ክሕብር እንከሎ ናብ ኡጋንዳ ዝስደዱ ዜጋታት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብዝሒ ክብ ይብል ኣሎ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 - 5 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራፍያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኪንሻሳን ጎማን ኪበጽሑ መደብ ከም ዘለዎም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ቅዱስነቶም ኣብ ሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ካብ ዕለት 5 – 7 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘለዎም ቅርበት ብምርግጋጽ ኣብ ምብራቓዊ ዞብ ኮንጎ ዝካየድ ዓመጽ ከብቅዕ ጸሎት ብምቕራብ ጻውዒት እውን ከም ዘቅረቡን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣውራጃ ኢቱሪ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈነውዎ መጥቓዕቲ 12 ቈልዑ ዝርከብዎም ብውሑዱ 60 ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት 40 ከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ምስ ተሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊክ ክታም ዝተነብሮ ናብ ርእሰ ብሔር ፈሊክስ ትሺሰከዲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግልራም መልእኽቲ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም እግዚኣብሔር ንምዉታት ኣብ ቤቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕ ክጽግው ነቶም ዝቖሰሉ ቅልጡፍ ምሕዋይን ተመንዮም ምእንቲ እታ ሃገር ከም ዝጽልዮን ንህዝቢ እታ ሃገር ቀረባ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።
ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናይ ሰበኻ ጎማ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዊልይ ንጉምቢ ንገንገለ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 7 ሓምላ 2022 ዓ.ም. ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ንመላእ ህዝቢ ኮንጎ ሓሴት ዘብጽሕን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሃረርታ ሰላም ዘወዓውዕ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ከም ዝነበሩን ናይ ምጽንናዕን ሰላምን ምትብባዕን ምልክት እዩ። ብፍላይ ንምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጉ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።