ሓርበኛታት ኲናት ሃገራት ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ብሓባር ስውኣቶም ብምዝካር ሰላም የደንፍዑ!
ኣብቲ ብዕለተ ማልቪናስ ዝፍለጥ ብ1982 ንዝተገብረ ውግእ ፎክላንድ ሃገረ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ብምዝካር ሓርበኛታት ኣብ ዘካየድዎ ሓድነታዊ ናይ ክርስቲያን ጸሎት ነቲ ግጭት ኮኒኖም ጻውዒት ሰላም ከምዘቅረቡ ተመልኪት።
ኣፈወርቂ ኣ. ሃይሉ - ሃገረ ቫቲካን
ንዝኽሪ መበል 40 ዓመት ኲናት ደሴታት ፎክላንድ ኣብ ቦነስኣይረስ ዝተኻየደ መደብ፣ ንሰላምን ዕርቅን ዝመክር ተኸታታሊ ጎስጓስ ኣብቲ ብማልቨስ ደይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመታዊ በዓል ዝተኽብረሉ ቦታ ነቶም ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ኲናት ዝወደቑ ዘኪሮም።
ከምዝዝከር ዕለት 2 ሚያዚያ 1982 ዝተጀመረ ኲናት ማልቪናስ፣ ኣብ ውሽጢ 74 መዓልታት 255 ናይ እንግሊዝ ከምኡ’ውን 649 ናይ ኣርጀንቲና ባሕረኛታትን ኣየር ወለድን ዝርከብዎም ወተሃደራት ምሳኦም ከኣ ኣብተን ደሴታት ካብ ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት 3 ሂወቶም ሲኢኖም። ኣርጀንቲና ዛጊት ኣብ ምልላይ መንነት ረሳታት ናይቲ ፍጻመ ተጸሚዳ ከምእትርከብ ይንገር።
መዓልቲ ሉዓላውነት ደሴት መልቪስ ዝብል ስያመ ንዝኽሪ ሽመት ናይቲ ብ1932 ብምምሕዳር ቦነስኣይረስ ኣማሓዳሪ ማልቪናስ ኮይኑ ዝተሾመ ልዊስ ቨርነት ንምዝካር ዓመት መጸ ሰነ 10 ዝኽበር ዝነበረ በዓል ካብ 2001 ዓም ጀሚሩ ግን ዓመታዊ ሚያዝያ ዕለት 2 ክኽበርን ማልቪስ ደይ ተባሂሉ ክጽዋዕን ተወሲኑ።
ታሪኽ ማልቪናስ / ደሴታት ፎክላንድ
ኣብ 1492 ብእስፐይናውያን ዝተረኸባ ደሴታት ማልቪናስ ክሳብ 1818 ከም ግዝኣት ስፐይን ጸኒሐን ኣብቲ ምስ ኣርጀንቲና ዝተኻየደ ቃልሲ ንናጽነት ናይ ኣስፐይን ላዕለዋይ ኢድ ምስ ኣብቅዐ ኣብ 1820 ሓደ ኮሎነል ናይ ኣርጀንቲና ሓይሊ ባሕሪ መኮነን ናይ ማልቨስ ደሴት ኣብ ልዑላውነት ኣርጀንቲና ከምዝኣተወት ሰንደቕ ዕላማ’ታ ሃገር ብምትካል ኣረጋጊጹ። ኮይኑ ግን ኣብ 1833 እቲ ምሕደራ ናይ ኣርጀንቲና ብናይ እንግሊዝ ወራር ኣብቂዑ።
ውሳነ 2065 ሕቡራት ሃገራት!
ካብቲ ወራር ንደሓር ጎንጺ ኣብ መንጎ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ኣየቛረጸን። እዚ ጎንጺ ብሕቡራት ሃገራት ጠቕላሊ ጉባኤ ኣብ 1965 ውሳነ ዕርቂ 2065 ብዝብል እማመ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ምስፍሕፋሕ መግዛእቲ ከብቅዕ ተወሲኑ። ብ1960 ከምኡ ውን 1970 ዘተ ዕርቂ ተካይዱ ኮይኑ ግን ፍረ ኣይተረኸቦን።
ኣብ 2013 ነቲ ነባሪ ሀዝቢ ናይ ርእሰ ውሳነ ምርጫ ከካይድ ብምፍቃድ ኣብ ዝተገብረ ምስ ኣርጀንቲና ዶ ወይስ ምስ እንግሊዝ ዝብል መረጻ፣ እንግሊዝ ብምምራጾም ኣርጀንቲና ስለ ዘይተውሓጠላ ብዘተ ንክወሰን ብተወሳኺ ናይ ብዓል ደሴታት ደቡብ ጆርጅያ፣ ደቡብ ሳንድዊች ከምኡውን ከባቢኤን ዝርከብ ማያት ገማግም ባሕሪ ‘ሕጊ ዓለም ብዝእዝዞ መሠረት ክወሃበኒ ኣለዎ፣ ዋና ጽሕፊ እዚ ውድብ’ውን ደጊሙ ክምርምሮ ኣለዎ’ ብምባል ጸኢጣ ምሙጓት ጀመረት።
ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ዕርቅን ክመጽእ ተተባብዕ
ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ኣብያተ እምነታትን ሰላምን ዕርቕን ኣብ ምጉስጓስ ይርከባ። ሃገረ እንግሊዝ ነቲ ኣርጀንቲናውያን ገዲፎሞ ዝኸዱ ሓወልቲ እኖና ድንግለ ማሪያም ዘሉዃን ድሕሪ 37 ዓመታት ብር.ሊ.ጳ ፍራንሲቸስኮስ ተባሪኹ ናብ ኣርጀንቲና ከምዝምለስ ጌራ።
ብዛዕባ’ዚ ሎምዘመን ኣብ ቦነስኣይረስ ዝግበር ናይ ክርስቲያን ሓድነት ሥርዓተ ጸሎት ስለ ሓዲሽ ሕውነትን ሰላምን ተወከልቲ ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ከም ዝተሳተፉ ናብ ረዲዮ ቫቲካን መግለጺ እንክልኣኸ፣ ናይታ ብ2019 ናብ ኣርጀንቲና ዝተመልሰት ሓወልቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሉዃን ቅዳሕ እውን ንወተሃደራዊ ካቶሊካዊ ካተድራል ቅዱሳን ሚካአልን ጊዮርጊስን ከተማ ኣልደርሾት ከምዝለኣኹ ምስዚ ተተሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።
እቶም ሓለፍቲ ኣብያተክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘተኣማምን ዕርቂ ንመርኣያ ብዝግበር ምቅርራባትን ጻዕርን ካብ ዘሎና ጽቡቕ መንፈስ ዝመንጨወ ከምዝኾነ እዚ ከኣ ናይ ክልቲኡ ወገን ጻዕሪ ምዃኑ ኣብሪሆም።