የመን፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማዕቅብ ኣብ ልዕሊ ዓለወይናታት ሁቲ
ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ደሕንነትን ባይቶ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ 2014 ዓ.ም. ኣትሒዞም ማእከል ናይቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝዀኑን ነቲ ዘሎ ግጭት ዘራጒዱ ዓለወይናታትን ሁቲ ናይ ማዕቅብ ውሳኔ ኣቅዋም ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 27 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ብዛዕባ ህልው ኵነታት ዓለም ኣማእኪሎም “ነቶም ኣብ ውግእን ስቓይን ዝርከቡ ህዝብታት ዓለም ቀረባኦም እየ” ቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ጥራሕ ዘይኰነ ብዛዕባ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እውን ዘኪሮም “ኣጽዋር ውግእ ይተዓበስ” ንሰላምን ዘተን ስንድዋት ንዅን ከም ዝበሉን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ የመን እቲ ውግእ ካብ ዝተጀመረሉ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ኣትሒዙ ዝፍጸም ደብዳብ ኣየር ብስልሳ ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. 250 ደብዳብ ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ናብ 401 ክብ ከም ዝበለን ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ 426 ሰላማውያን ዜጋታት ከም እተቐትሉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይቲ ውግእ ተዋሰእቲ ዓለወይናታት ዘንብሮ ናይ ማዕቅብ ውሳነ ከም ዘጽነዖን ዕለት 28 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ብመሰረት ው.ሕ. መግንስታት ዓለም እቲ ዝነበረ ውሳኔ ሁቲ ንናይ የመን ሰላምን ምርግጋእን ሓደገይና ብምዃኑ ነቲ ዘሎ ግጭት ምድራት ናይ ሁቲ ዓቕመ ወተሃደራዊ ሓይልታት ንምድኻምን ዝድግፍ ምዃኑ ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ወኪል ላና ኑሳይበሕ ከም ዝሓበራ ዜና ቫቲክ ኣፍሊጡ።
ዓለወይናታት ሁቲን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ማህሰይትን
ዕጡቓት ሓይሊ ሁቲ ኣብ መወዳእታ ተስዓታት ዝተወልዱን ካብ 2014 ክሳብ 2015 ዓ.ም. ኣብ የመን ዝተባርዐ ውግእ ስዒቡ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ማእከል ክትዕ ከም ዝዀነን እቲ ኣብ ደቡባዊ ዞባ የመን ደሕሪ ናብ ምልእቲ እታ ሃገር ዝተኣታተወ ግጭት ኣብ 2014 ዓ.ም. ርእሰ ከተማ ሰንዓ ብምቅጽጻር ድሕሪ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ኣዚዩ ክሰፍሕ ከም ዝገበሮን ካብ ዕለት 26 መጋቢት 2015 ዓ.ም. እቲ ውግእ እናገደደ በቲ ውግእ ምኽንያት ክሳብ 2021 ዓ.ም. 377 ሺሕ ዜጋታት ግዳያት ከም ዝኾኑ ጸብጻብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሕብር እንከሎ በሰንኪ እቲ ውግእ ብቐጥታ ዝሞቱ ጥራይ ዘይኮነ ብጥሜትን ሕማምን እውን ዝሞቱ ብዙሓት ከም ዝዀኑን 70 ሚእታዊ ካብዚኣቶም ቈልዑ ምዃኖም ነቲ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣሲዒቡ፥ 45.7 ሚእታዊ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ሕጻናት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ከም ዝሳቐዩን እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝዀኑ ሰባት ከኣ ኣብተን ሸውዓተ ዓመታት ውግእ ከም እተመዛበሉ የመላኽት።