ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ የመን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሰብኣዊ ቅልውላው ትጥቃዕ
ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ትካላት፥ ኣብ የመን 17.4 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እውን ናይቶም ሓገዝ ዘድልዮም ቍጽሪ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን ብዙሓት እውን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ስእነት መግብን ጥምየትን ክጥቅዑ ምዃኖም ከም ዘፍለጣ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለም ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ዜስካሕክሕ ኩነታት ከተኵር እንከሎ የመን ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተንቆልቍል ከም ዘላ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ትካላት ውድብ መደብ መግቢ ናይ ሕርሻን መግብን ውድብ ናይ ህጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ትካል ብሓባር ኣብ ዘውጽአኦ ጸብጻብ ኣመላኺተን፥ ኣብ የመን ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ሰብኣዊ ቅልውላው የብሉ ምህላዎምን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ጥምየት ክጥቅዑ ምዃኖም ኣጠንቂቐን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መሰረት ዝተወሃበ ጸብጻብ 17.4 ሚሊዮን ዝህቢ እታ ሃገር መግቢ ከም ዘድልዮን ቍጽሮም እውን እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ከመላኽት እንከሎ 7. 3 ሚሊዮን ብጥምየት ክሳቐዩ ከም ዝኾኑን ኣብ መላእ የመን 2.2 ሚሊዮን ዝግመቱ ቈልዑን 1.3 ሚሊዮን ዝኾና ነፍሰ ጹር ኣዴታት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ከም እተጠቕዑ ይሕብር ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዋጋ መግብን ቀረብን
እተን ሰለስተ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ “ኣብ የመን ቀንዲ ጠንቂ ጥምየትን ስእነት መግብን እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከም ዝኾነ ሓቢረን ጠንቂ ቅልውላው ቍጠባ እውን ብምዃኑ ዋጋ መግቢ እናወሰኸ ክኸይድ ይገብር ምህላዉ ይሕብራ። እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ እውን ንናህሪ ዋጋ ቀረብ ጠንቂ ከም ዝኾነን ናይ የመን ናይ መግቢ ዓቕሚ ካብ ወጻኢ ኣብ እተእትዎ ዚምርኰስ ብምዃኑ ካብ ጠቕላላ እቲ ካብ ወጻኢ እተእትዎ ምህርቲ ስርናይ እቲ 30 ሚእታዊ ካብ ዩክረይን ዝመጽእ ከም ዝነበረ ሓቢረን ህዝቢ የመን ናብ ዝኸፍአ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ጥምየት የብል ኣሎ ከም ዝበላ ኣፍሊጡ።