ድለ

ሰብኣዊ ትካላት ው.ሕ.መ. ዓለም፥ ኣብ ዩክረይን ቈልዑ ምድሓን ሰብኣዊ ትካላት ው.ሕ.መ. ዓለም፥ ኣብ ዩክረይን ቈልዑ ምድሓን 

ሰብኣዊ ትካላት ው.ሕ.መ. ዓለም፥ ኣብ ዩክረይን ቈልዑ ምድሓን

እቲ ኣብ 190 ሃገራትን ዞባታትን ዚዓዪ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ትካል፥ ማዕከን ኣድሕን ህጻናት ኣብቲ እቲ ካብ ዝብገስ ሸሞንተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ግጭ ዩክረይን ኣብ ኣባይቲ ስድራን ኣባይቲ ትምህርትን መዕበይ ዘኽታማትን ኣባይቲ ሕክምናን ዘስዓቦ ከቢድ ጸገም

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ማዕከን ሓልዮ ህጻናት እቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ቈልዑን ስቓዮምን ንኣኣቶም ንምሕጋዝ ከምኡ እውን እቲ ብቕልጡፍ እናወሰኸ ዝኸይድ መሰረታዊ ሰብኣዊ ድላይ ንምርዋይ ምስቲ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ኵነታት ዝመዓራረይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘካይዶ ጻዕርታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክብ ይብል ምህላዉ ኣህጉራዊ ማዕከን ኣድሕን ቈልዑ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውድብ ሕቡራት መግስታት ዓለም ዛዕባ ቈልዑ ዝሓልይ ትካል ዋና ሓላፊት ካተሪነ ሩሰልን ከምኡ እውን ናይ ውድህብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተል ትካል ዋና ኣመሓዳሪ ፊሊፖ ግራንዲ እቲ ኣብ ዩክራይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘስዕቦ ዘሎ ስደትን ምዝብልናን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መልጺ ብሰፊሕ ኣብሪሆም፡ እቲ ውግእ ነቶም 7.5 ሚሊዮን ዝግመቱ ቈልዑ እታ ሃገር ከቢድ ጾር ኰይኑ ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ በቲ ግጭት ምኽንያት ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ቈልዑ መብዛሕቲኦም ካብኣቶም እውን ብዘይ ወለድን ኣሰነይትን ንስደት ይዳረጉ ከም ዘለዉን ንኣኣቶምን ነቶም ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ንዝተረፉ ቈልዑ ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝካየድ ጻዕሪ ክብ ይብል ምህላዉ መግለጺ ናይተን ክልተ ትካላት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይተን ክልተ ትካላት ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥ ብዘይ ወለዳቶም ኣሰነይትን ዝስደዱ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንዘፈላለየ ሰብኣዊ ሓደጋታት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉን እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ንበይኖም ዶባት ሰጊሮም ክግዕዙ በቲ ሓደ ወገን ህይወቶም የድሕኑ በቲ ካልእ ሸነኽ ከእ ንዝተፈላለየ ዓመጽን ህስያን ምዝመዛን ከም ዝቓልዑን ብዝተፍላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት እናተሃዱ ንሓድሽ ጊልያነት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉን ውግእን ግጭትን እውን ነዚ ከምዚ ዓይነት ኢሰብኣዊ ተግባር ዘቃልዕ ምዃኑ በሰፊሕ ከም ዝብርሁ ኣፍሊጡ።

እቶም ቈልዑ ኣብ ዝኣትዉለን ሃገራት ንበይኖም ድዩ ምስ ወለዳቶም ንዝስደዱ ኵሎም ግቡእ ሓገዝ ክረኽቡን መንግስታት ነቶም ቈልዑ ኮነ ንኣባይቲ ስድራኦምን ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ክህብዎምን ህጹጽ ክንክን ከቕርቡሎም እተን ክልተ ትካላት ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጻውዒት ከምዘቕረባን ነቶም ብዘይ ወለዳቶም ኣሰነይቶምን ንዝስደዱ ዘለዉ ቈልዑ ምስ ኣባይቲ ስድራታቶም ክራኸቡ ዘኽእል መስርሕ ክብገስ ነተባብዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንነባሪ ማህሰይቲ ዘቃልዕ ግጭት

እቲ ኣብ 190 ሃገራትን ዞባታትን ዚዓዪ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ትካል፥ ማዕከን ኣድሕን ህጻናት ኣብቲ እቲ ካብ ዝብገስ ሸሞንተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ግጭ ዩክረይን ኣብ ኣባይቲ ስድራን ኣባይቲ ትምህርትን መዕበይ ዘኽታማትን ኣባይቲ ሕክምናን ዘስዓቦ ከቢድ ጸገም ብዙሕ ምዃኑን፡ ብፍላይ ኣብ ህጻናት ነባሪ ማህሰይቲ ከም ዘስዓበን እዚ እውን ነቶም ቈልዑ ዝወሃብ ኵለ መደያዊ ሓገዝን ወጻኢታቱ ከም ዘዛይዶን እዚ ማዕከን እዚ ነቶም ተነቀፍቲ ቈልዑን ስድራ ቤቶምን ጥዕናን ትምህርትን ዕቝባን መሰረታዊ ሓገዛት ኵሉ ንኽረኽቡ ዘካይዶ ጻዕርታት ኵሉ ሰፊሕን ናይ ኵለን ሃገራት ምትሕብባር ዝጠልብን ምዃኑ ኣፍሊጡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልቲ ትካላትን ከምኡ እውን ማዕከን ኣድሕን ሕጻናትን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፥ መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራት ነቶም ዝስደዱን ዝመዛበሉን ዓበይትን ቈልዑን ኵሎም ዘድልዮም ኣገልግሎት ብምቕራብ ዘርእይዎ ዘለዉ ቅርበት ኣመስጊኖምን ኣተባቢዖምን መንግስታት ነቶም ብዘይ ወለዳቶምን ኣሰነይትን ንዝስደዱ ቈልዑ ንምዕቛብ ኣብ ዝግበር ጻዕር ብምትሕብባር ክዓዩ ምዃኖም ዝኣተውዎ መብጽዓ ኣብ ምትግባር ዘርእይዎ ዘለዉ ትግሃት ዝምስገን እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

10 Mar 2022, 16:53