ሰላም ኢና እንደሊ!
ወራር ሩሲያ ኣብ ዩክረይን ስቓይን ዕንወትን የምጽእ ኣሎ። ኣብ ሶሪያ የመን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዙሓት ግዳያት ዝገብር ውግእ ገና ይቕጽል ኣሎ። ወትሩ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ብፍላይ ቈልዑ ዋጋ ዘኽፍል እዩ፡ እቲ ተራ ህዝቢ ደላይ ሰላም እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ነቲ “. . . ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንማዕጺድ ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ብጥበብ ውግእ ኣይኪመላለሱን እዮም” (ኢሳ. 2,4) ዝብል ትንቢት ኢሳያስ ንሓልም።
ኣብ ኤውሮጳ ንሰላም ኣቕሊልካ ምርኣይ ካብ ዝጅመር ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ውግእ ናይ ካልኦት ሰባት ጒዳይ ከም ዝኾነን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝካየድ ተገይሩ እዩ ዝርአን ዝንገር። እቶም ገዛእ ርእሶም ካብ ውግእ ንኸድሕኑ ሓድሽ ተስፋ ንምርካብ ናብ ኤውሮጳ ዝመጹ ዘቕርብዎ ኣውያት ጥራይ እዩ ዝስማዕ ዝነበረ እዞም ዑቕባ ዝሓቱ እቲ ዘሕለፍው ናይ ውግእ ተመክሮ ዳርጋ ሓዘን ስቓይ ዘይፈጥረሎም ኰይንና ጸኒሕና፥ ኣብ ሶሪያ የመን ኢትዮጵያ ኣብ ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ውግእ ኣሎ ሰባት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ይስደዱን ይመዛበሉን ብህወት ኪነብሩ ይጽዕሩ።
ሓድሓደ ግዜ ህይወት ብሃንደበት ይቕየር። ቀቅድሚ እቲ ሩሲያ ዘውረደቶ መጥቃዕቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ኣብ ጐደናታትን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ መግብን ከተማታት ዩክረይን ዝብዙሓት ሰባት እዮም ዝነበሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ሩሲያን ዩክራይን ዘዳብው ዞባ ዝነበረ ውጥረት ብሩሕቕ ጥራሕ ዝስምዕ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ኵነታት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ክፍጠር እዩ ዝብል ሓደ እኳ ኣይነበረን . . . ዳርጋ ኵሎም ድማ ሰብ ዕጥቒ ኮኑ ብዙሓት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ይስደዱን ይመዛበሉን ብዙሓት ኣደዳ ማህሰይትን ሞትን ይዀኑ ኣለዉ።
ሰላም ዘለዎ ክቡር ዋጋ ስጋብ እንርስዕ ተለማሚድናዮ ጸኒሕና። መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ነማርር። ብሃንደበት ውግእ ምስ ተባርዔ ሰላም ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ነስተውዕል፡ . . . ኣብ ኤውሮጳ ፍርሂ ውግእን ጭንቀትን ይርአ ኣሎ . . . ነቶም ዝሳቐዩ ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ ንጭቍናት ንሓግዞም (ምዕ. 1,17)።
ሰላም ንደሊ! ስልጣኖም ክብ ንምባል ህይወት ሰብ ዘኽፍሉ ህይወት ሰብ መጋበርያ ጥቕሞም ዝገብሩን . . . “ውግእ ጽላለ” እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ንዝገለጽዎ ውግእን ግጭትን ደው ከነብሎ እንኽእል ብኸመይ እዩ? ማዕቅብ ኣጽዋር ውግእ ድዩ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቅብ እዚ ንበይኑ እዅል ኣይኮነን፥ እቲ ዘድሊ ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ምትብባዕን ናይ ዘተ ባህሊ ምስፋሕን እዩ። . . . ረብሓታት ዘይኮነ ሰብኣውነት ምምእካል የድሊ! ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ከምቲ ኢሳያስ ኣብ ምዕ. 11 ፍቕዲ 6 “ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ” ዝብል መንፈስ ደላይ ሰላም ይሃልወና። ሰላም ይሃበና።