ድለ

ኣብ ዩክረይን ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት መፍትሒ ንኽርከቦ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ዩክረይን ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት መፍትሒ ንኽርከቦ ዝግበር ጻዕሪ 

ኣብ ዩክረይን ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት መፍትሒ ንኽርከቦ ዝግበር ጻዕሪ

ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ዘለንስክይ ሎሚ ዕለት 3 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ወተሃደራት ሩሲያ ኣብ ዩክረይን ሰላም ኮነ ህድኣት ኣይክህልወኩምን እዩ” ከም ዝበሉ

ሰራዊት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈቶ ወራር ካብ ዝብገስ ሻምናይ መዓልቲ ብሓፈሻ ኣስታት ሓደ ሚዮም ዝግመት ህዝቢ ከም እተመዛበለን ብዙሓት ናብ ጉረባብቲ ሃገራት ይስደድ ምህላዎምን ህጹጽ ኵነታት ሰብኣዊ ጒዳያት እውን ክብ ይብል ምህላዉ ክንገር እንከሎ ናብ ዕለት 3 መጋቢት ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ኪየቭ ነታጒ ከም እተፈንጀረን ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ሓፈሻ ዓውደ ጉባኤ እውን ነቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣተካይዶ ዘላ ወራር ከም ዝዀነኖ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት መፍትሒ ንምንዳይ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ በይሎሩስ ናይ ሞስኮን ኪየቭን ልኡኻት ዕለት 3 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ከም እተረኸቡን እዚ ዓይነት ርክብ እዚ ነቲ ግጭት መዕለቢ ክርከቦ ንዝግበር ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን ይኽእል ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ ከም ዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናብ ዕለት 3 መጋቢት ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ኪየቭን ካልኦት ከተማታት ዩክረይን ብርቱዕ ነተጒቲ ከም እተሰምዐን ኣብ ወሰናስን ኪየቭ ውግእ እውን ይካየድ ምህላዉን ኣብ ክሃሪኪቭ ብዝተፈጸመ ደብዳብ እውን ሰለስተ ኣባይቲ ትምህርትን ካቴድራል ዘፍለሰታ ለማርያም ከም እተወቕዐን፡ ሓይሊ ጸላኢ ናብ ክየቭ ንኽኣትው እዩ ዝጽዕር ዘሎ እንክብሉ ናይ ኪየቭ ከንቲባ ቪታሊ ክሊትሽኮ ዝህብዎ መልጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስጓመ ወተሃደራት ሩሲያ

ወተሃደራት ሩሲያ ናብ ደቡብ ክረመያ የብሉ ከምዘለዉን ዕለት 2 መጋቢት ናይ ዞባ ማሪኡፖል ወደባዊት ከተማ ክሀርሶን ከም እተቖጻጸሩን ናይ ሩሲያ ሚኒስትር ሓይሊ ምክልኻል ክሳብ ሕጂ 500 ወተሃደራት ሩሲያ ከም ዝሞቱ ክሕብሩ እንከሎ መንግስቲ ክየቭ 5,800 ወተሃደራት ሩሲያ ከም ዝሞቱን ክልተ ሺሕ ንጹሓን ዜጋታት ከም እተቐትሉን ብወገን መንግስቲ ሩሲያ ግን 1,500 ንጹሓን ዜጋታት ከም ዝሞቱ ይንገር።

መዓልቲ ዘተ

ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ዘለንስክይ ሎሚ ዕለት 3 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ወተሃደራት ሩሲያ ኣብ ዩክረይን ሰላም ኮነ ህድኣት ኣይክህልወኩምን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ በላሩስ ከተማ ብረስት እቲ ግጭት ዘማእከለን መዕለቢ ንኽርከቦ ዝግበር ክሌኣው ናይ ስነ መላ ርክባት ዘተባብዕ ናይ ሞስኮን ኪየቭን ልኡኻን ዘራኸብ መደብ መሰረት ንጐሆ ቀዳማይ ርክብ ድሕሪ ቐትሪ እውን ካልኣይ ርክብ ከም እተኻየደን ሚኒስትር ወጻኢ ጒዳያት ሩሲያ ላብሮቭ ሓደ ካብቲ ዕላማ ናይቲ ሩሲያ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት ምሉእ ብምሉእ ዩክረይን ኣብቲ ምስ ሩሲያ ዘዳውባ ከባቢታት እተቝሞ ናይ ውግኣ ኣጽዋር ኢንዳስትሪታትን ካልእ ምስ ወተሃደራዊ ጒዳያት ርክብ ዘለዎ እተሳልጦ ዕዮታት ክትፈትሕ ዝብል እዩ ከም ዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ። ሓደ ናይ ጀርመን ዘይመንግስታዊ ምንጪ፥ በርሊን ናብ ዩክረይን 2,700 ጸረ ነፈርቲ ሚሳይል ክትልእኽ ትዳሎ ኣላ ከም ዝበለ የመላኽት።

03 Mar 2022, 17:16