ድለ

ዩክረይን፥ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ኪየቭ ዩክረይን፥ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ኪየቭ 

ዩክረይን፥ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ኪየቭ

ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን እውን ብስልኪ ምስ ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ተራኺቦም ብዛዕባ ደሕንነትን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ቍጠባዊ ማዕቅብን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከም እተመያየጡን ሩሲያ ንበይና ንምፍላይ ክከኣል መታን ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህንድን ቨነዝወላን ጸቕጢ ይገብሩ ምህላዎም

ኣብ ኪየቭ ሓድሽ ደብዳብ ይቕጽል ከምዘሎን ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ግዳያት ከም ዝዀኑ ካብታ ከተማ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ የመላኽት። ኣብ ከተማ ማሪዩፖል ዝተበጽሐ ተኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኽንቀሳቐሱ ውሕስነት ከም ዝሃበን እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ደው ንኽብል ዝግበር ዘሎ ክሌኣዊ ናይ ስነ መላ ርክባት ይቕጽል ከም ዘሎን ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ማክሮን ቱርካዊ ብጻዮም ኤርዶጋን እውን ብስልኪ ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ከም እተራኸቡን ዕለት 7 መጋቢት እቲ ኣብ በላሩስ ናይ ሩሲያን ዩክረይንን ልኡካን  ዝጀመርዎ ናይ ሰላም  ዘተ ንሳልሳይ ግዜ ንምክያድ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እተበግስ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ኣዚዩ ዘሰክፍ ከም ዝዀነን ሎሚ ንጐሆ ብምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ኪየቭ ብርቱዕ ብቦብታት ዝተሰነየ መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመን ሲኤንኤን ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናት ዝሃብዎ ሓበሬታ ጠቒሱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብር።

ልዕሊ 1,5 ሚሊዮን ህዝቢ ይመዛበል

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ዝከታተል ድርገት ዋና ሓላፊ ፊሊፖ ግራንዲ ቍጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 1,5 ሚሊዮን ከም ዝበጽሔ ይሕብሩ። እዚ ኸኣ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣቲሒዙ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዘጋጠመ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክብ ቢሉ ዝተራእየ ብዝሒ እዩ ቢሎም ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 129 ሺሕ ናብ ፖላንድ ከም ዝኣተዉ እንክሕብሩ፥

ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት

ናይ ዩክረይን ወተሃደራዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ ወተሃደራት ሩሲያ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኪየቭ ንምእታው ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ምህላዎም ክፍልፈጥ እንከሎ ካብ ኪየቭ ብሸነኽ ደቡብ 150 ኪሎ ሜትር ርሑቑ ናብ ዝርከብ ዞባ ይጓዐዝ ከምዘለዉን ከተማ ምይኮላይቭን ከተማ ቸርኒሂቭ ንምቍጽጻር እውን ብርቱዕ ውግእ የካይዱ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ካብ ኪየቭ ዝውጸ ሓበሬታ ጠቒሱ ይሕብር።

ክሌኣዊ ናይ ስነ መላ ርክብ ጻዕርታት

ናብ ሰላም ዝመርሕ ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ በርቲዑ ይቕጽል ከም ዘሎን ዕለት 6 መጋቢት ናይ ቱርክ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ብስልኪ ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ከም እተራኸቡን እቲ ውግእ ደው ንምባልን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ መተሓላልፎ ውሑስ ክኸውን ኣብ ዝብል ጉዳይ ከም ዝመኸሩን ፑቲን እውን እቲ ኣብ በላሩስ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ዝያዳ ሃናጺ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን እውን ብስልኪ ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ከም እተራኸቡን እቲ ውግእ ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ማክሮን ምስ ፑቲን ብስልኪ ክራኸቡ ንራብዓይ ግዜ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ናይ እስራኤል መራሔ መግንስቲ ናፍታሊ በነት ምስ ናይ ዩክራይን ርእሰ ብሔር ቮሎድይምር ዘለንስኪ ብስልኪ ከም እተራኸቡን እዚ ናይ ስልኪ ርክብ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እውን ምዃኑ የመላኽት። መራሔ መግንስቲ እስራኤል ኣብ ሞስካ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ኣስዒቦም እውን ኣብ በርሊን ምስ መራሔ መንግስቲ ሾልትዝ ከም እተመያየጡን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን እውን ብስልኪ ምስ ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ተራኺቦም ብዛዕባ ደሕንነትን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ቍጠባዊ ማዕቅብን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከም እተመያየጡን ሩሲያ ንበይና ንምፍላይ ክከኣል መታን ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህንድን ቨነዝወላን ጸቕጢ ይገብሩ ምህላዎም ይንገር።

07 Mar 2022, 17:22