ድለ

ኣብ ዓለም ዝተዋጽኡ መናብርተ ጥበብ፥ ኣብ ደሞክራሲ ዛዕባ ዘማእከለ ሕንጸት ኣብ ዓለም ዝተዋጽኡ መናብርተ ጥበብ፥ ኣብ ደሞክራሲ ዛዕባ ዘማእከለ ሕንጸት 

ኣብ ዓለም ዝተዋጽኡ መናብርተ ጥበብ፥ ኣብ ደሞክራሲ ዛዕባ ዘማእከለ ሕንጸት

እቶም ተጋባእያን ምሁራት ካብ ናይ ሃገራቶም ተመክሮ ተበጊሶም ህልው ኵነታት ቈጠባን ማሕበራውን መንፍሳውያን ጒዳያት መሰረት ገይሮም ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ደሞክራሲ ከገልጹን

ካብ ዝተፈላለያ 20 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከባ 17 መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡ ክኢላታት ምሁራት  እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተመስረተ ማሕበር ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስነ መዕበያ”  ሕንጸት ኣብ ኣመለኻኽታን ትግባረን ስርዓት ደሞክራሲ ኣብ ዘተኮረ ርእሰ ጒዳይ ንኽመክር ካብ ዕለት 17 – 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝወደቦ ዓውደ ጒባኤ ይሳተፉ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ “ኣብ እተገማምዐ ዓለም ኣብ ደሞክራሲ ዘተኮረ ዛዕባ ደሞክራሲ ዝምልከት ትምህርቲ ምሃብ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓውደ ጒባኤ ዕለት 17 መጋቢት ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሉምሳ ከም እተበገሰ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ጒባኤ ንምልላይ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ መሪሖም ዝተሳተፉ ናይቲ ስነ መዕበያ ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣብ ግብሪ ንምዓል ብዝብል ዕላማ ዝተመስረተ ማሕበር ስነ መዕበያ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካናዳዊ የኔታ ኣባ ጉይ ረያል ቲቫርዠ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥  እቶም ተጋባእያን ምሁራት ካብ ናይ ሃገራቶም ተመክሮ ተበጊሶም ህልው ኵነታት ቈጠባን ማሕበራውን መንፍሳውያን ጒዳያት መሰረት ገይሮም ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ደሞክራሲ ከገልጹን በዚ መሰረት ከኣ ትኽክለይና ትርጉም ስርዓት ደሞክራስን ኣምር ደሞክራስን ከብርሁን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዛዕባ ደሞክራሲ ዘተኮረ መደብ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት ግልጺ ክኸውን ዝገብሩ ምዃኖም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ‘ሕንጸት - ትምህርቲ’

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ካብ ሊባኖስ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ዮሰፍ ዝመጻ ፕሮፈሰር ኤን ቶህመ ታበት እውን ብወገነን፥ ደሞክራሲ ምስ ህልው ኵነታት ሃገራት ኣተሓሒዘን ነቲ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ቍጠባን ፖለቲካን ዘሎ ቅልውላው ከቢድ ምዃኑ ኣብሪሄን እዚ ቅልውላው እዚ ማሕበረሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ እቲ ተስፋ ዝንበረሉ ወለዶ ካብታ ሃገር ክወጽእ ንዝብል ምርጫ ከም ዝድርኾን ገሊጸን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኣጸጋሚ ፖለቲካ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝሓትት እዩ እቲ ብሉጽ ክፍሊ ናይ ሊባኖስ ስርዓት ምድሓን ዓሚላውነት ዝብልን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ንምቅላስ ዝድርኽ ተሓድሶ የድሊ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።

ኣብ ፊሊፒንስ ርእሲ ከተማ ማኒላ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መንበረ ጥበብ መምህር ፕሮፈሰር ኣላን ደ ጉዝማን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብዛዕባ ኣገዳስነት ትምህርትን - ሕንጸትን ከዘኻኽሩ እንከለዉ፥ ብዓለም ሓቆፍን ብዞባዊ ደረጃ ክርአ ዘለዎ ጒዳይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ሰላም ውሑስ ክኸውን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት መሰልን ክብረትን ክኽበር ኣብ ክቡራት ዋጋትትን ኣብ ሕንጸት ንደሞክራሲ ዘተዀረ መደብ ህንጸት ወሳኒ እዩ። ናይ መላእ ህዝብን ሃገርን ጥቕሚ ዝውሕስ ስርዓት ደሞክራሲ ንምልላይ ኣብ ዛዕባ ደሞክራሲ ዘተኮረ ሕንጸት ኣገዳሲ ይኸውን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Mar 2022, 17:28