ኣብ ግዜ ውግእን ለብዕን እውን ከይተረፈ ኣይፋል ንዓሌታዊ ኣድልዎ
ካብ 1966 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 21 መጋቢት ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ሻርፐቪለ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት መሰረት ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ከም ዝወሰነ ክዝከር እንከሎ፥ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 21 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣክንዲ ዝጠፍእ ዝተሓብኤ ተውህዋስ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምን ኵነትን ክቐላቐል እዩ ዝርአ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓድሓደ ግዜ ዓሌታውነት ብዘይተገዳስነትን ሸለልትነትን ብሱቕታ ዝርአን በጠማምታ እውን ዝግለጽን ብዝወሃብ ቅድመ ፍርዲ ዝትግበር ከም ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርአ ሓቂ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 21 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ዓሌታውነት ዝዝከር ከም ዝኾነን እዚ ዝኽሪ እዚ ኣብ ግዜ ለብዕን ውግእን ፍሉይ ትርጒም ኣለዎ።
ቅድሚ 62 ዓመት ዘጋጠመ ነገር
ዕለት 21 መጋቢት 1960 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዜጋታት እታ ሃገር ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ 69 ሰባት ከም ዝቐተሉን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነዚ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ቅትለት ንምዝካርን ኣብ ዓለም ነዚ ከምዚ ዓይነት ዝኾነ ይዅን ዓሌታዊ ተግባር ንምውግእ ኣብ 1966 ዓ.ም. ዕለት 21 መጋቢት ብኣዋጅ 2142 ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ ክዝከር ከም ዝወሰነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ተዘክሮ ደዝሞንድ ቱቱ
እዛ መዓልቲ እዚኣ እቶም ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓመቱ ብሞት ዝተፈልዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ደዝሞንድ ቱቱ ሓደ ካብቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣድልዎ ብዓሌትን ዓሌታውነትን ጽልኢ ብዓሌትን ከብቅዕ ዘይሕለል ጻዕሪ ዘካየዱ ኣብ 1984 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ንምዃን ዝበቕዑን ንፈለማ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሊም መራሒ ንዀኑ ዕለት 7 መስከረም 1986 ዓ.ም. ዝተሾሙ ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልስን ሰላምን ኣብነት ኣገልግላሊ ክርስቶስን ኣፍሪቃውነት ኣምር ሰላም ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ምድግጋፍን ዝብል ምዃኑ ከይሰልከዩ ብምምስካር እዚ ባህሊ እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ብምንቕቓሕ ክሰርጽ ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩ ምዃኖም ይዝከር።
ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 21 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መጋቢት በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም “ዓሌታውነት ብቐሊሉ ኣክንዲ ምጥፋእ ብቐሊሉ ዝተሓብአ ተህዋስ ዝዀነ እዩ ዝመልስ፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝርአ ምዕባለ ዓሌታውን ኣድልዎ ብዓሌትን ሓንሳንብንሓዋሩን ከም ዘየጥፈኦን ብሓቂ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዚ ዘሕፍርን ንመላእ ዘርኢ ሰብ እውን ውድረት እዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከም ዝነበሩ ክዝከር እንከሎ እዚ ትሕዝቶ እዚ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቕዋም ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ምዕዳን ከም ዘስመሩሉን እቲ ኣብ ልዕሊ ወጻኣተይናታትን ስደተይናታትን ዝፍጸም በደል ዘስዕብ ሓባራዊ ጥቕሚ ዕሽሽ ዚብል እናዓበየ ካብ ዝኸይድ ዘሎ ‘ብሔርተይናነት ወይ ሃገራውነት’ ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ገሊጾም፡ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዚ ንዕላማታት ኣህጉራውን ማሕበራትን ዘዳኽም ምዃኑ ኣብ ውርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ጽልእ ብዓሌትን ጽልኢ ወጻእተይናታትን ብሄርተይናዊ ህዝባውነትን ኣብ ህልው ኵነት ጸዓት ስደተይናታት ዓለም ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጒባኤ ተጋብእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ክንጻወሮ ዘይግባእ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር
ኣብ 2021 ዓ.ም. ወርሒ ሰነ ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ መበል 43 ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ምኽሪ ሓልዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክፍለ ዓውደ ኣኼባ ዓሌታውነትን ብሄርተይናነት ብፍጹም ክንጻወሮ ዘይብልና ኢሰብኣዊ ተግባር እንክብል ገሊጹ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምጥባቕን ምድንፋዕን ንጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ምውጋድ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቃለሐ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኵሎም እቶም በርኣያን ኣምሳልን ኣምላኽ እተፈጥሩ ደቂሰብ ዓሌት ሃገር ጾታዊ ስምዒት መበቆል ባህሊ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ ኣብ ክብረቶም ማዕረ እዮም” እንክብሉ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ኣብቲ መበል 43 ክፍለ ኣኼባ ኣብ ዝስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹን ኣስዒቦም እውን ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፥ “ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓሌታውነት ወይ ማሐብራዊ ተነጽሎ ክንጻወሮ ዘይብልና እናረኣና ከም ዘይረኣና ኴይናን እናሓለፍና ሰብኣዊ ህይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ንዝብል ናይ ህይወት ባህሊ ተሓልቕቲ ምዃን ዝከኣል ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።