ድለ

ኣብ ዩክረይን ዘንጸላልው ዘሎ ውግእ ንምርሓቕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣብ ዩክረይን ዘንጸላልው ዘሎ ውግእ ንምርሓቕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ 

ኣብ ዩክረይን ዘንጸላልው ዘሎ ውግእ ንምርሓቕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ

ኣስታት 130 ሺሕ ዝግመቱ ወተሃደራት ሩሲያ ድሮ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክረይን ከም ዘለዉ እዩ ዝግመት

እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኣህጉራዊ ውጥረት ይቕጽል ኣብ ዘለሉ እዋን ናይ ዓለም መድርኽ ፖለቲካ ብማዕረ ማዕረ ነቲ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባይደንን ናይ ፈረደራላዊት ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ክካየድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ናይ ስልኪ ርክብ ዘተ ይጽበ ከም ዘሎን እዚ እውን ካብ ውግእ ንምምላጥ ንዘሎ ተስፋ ሰም ኸይብል ይገብር ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሓይሊ ምክልኻል ሩሲያ ስጒምቲ ክወስድ ይኽእል ዝብል ስግኣት እናወሰኸ ይኸይድ ባህላዊ ኣብ ግምት ብምእታው ንዅሎም እቶም ኣብ ዩክራይን ዝተረፉ ዜጋታት ሃገሮም ካብታ ሃገር ንኽወጹ ጻውዒት ኣቕሪቦም ነቶም ክወጹ ዘይደልዩ ግና መንግስቶም ንኸድሕኖም ወተሃደራት ከም ዘይልእኽ ድሮ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ብሔር ባይደን ዝሓለፈ ዓርቢ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክራይን ዘሎ ሃዋሁ ውጥረት ንኽመኽሩ ናብ ሩሲያ ቅድሚ ምንቃሎም እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረት ከም ዘሻቕሎም ገሊጾም ከም ዝነበሩን ኣብ 2014 ዓ.ም. ሩሲያ ንዞባ ክረሚያ ናብ ግዝኣታ ድሕሪ ምእታዋ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ሓይሊ ምክልኻል ሩስያ ናብ ኡክራይን ክኣቱ ይኽእል ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ብወግዒ ገሊጾም እቲ እነካይዶ ዘሎና ዘተ ምስ ሓደ ኣሸባሪ ጒጅለ ዘይኰነ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ሓያል ምክልኻል ኣለወን ካብ ዝበሃላ ሃገር እዩ ስለዚ እቲ ኵነታት ናብ ከቢድ ውጥረትን ውግእን ክመርሕ ዝኽእል እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣስታት 130 ሺሕ ዝግመቱ ወተሃደራት ሩሲያ ድሮ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክረይን ከም ዘለዉ እዩ ዝግመት። ሩሲያ ነቶም ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝነብሩ ካብ ዩክራይን ክፍለዩ ዝደልዩ ደገቲ  ሩሲያ ትድግፍ ኣላ ዝብል ክሲ ይቐርባ ከም ዘሎን ርእሰ ብሔር ባይደን ርእሰ ብሔር ፑቲን ዩክረይን ክወሩ እዮም ዝብል ጥርጣረ የብለይን ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

12 Feb 2022, 16:59