ድለ

ቅልውላው ዩክረይን፥ ፑቲንን ባይደንን ንኽራኸቡ ፍቓደይናት እያቶም ይበሃል ቅልውላው ዩክረይን፥ ፑቲንን ባይደንን ንኽራኸቡ ፍቓደይናት እያቶም ይበሃል 

ቅልውላው ዩክረይን፥ ፑቲንን ባይደንን ንኽራኸቡ ፍቓደይናት እያቶም ይበሃል

እቲ ቅልውላው ዩክረይን ንምውጋድ ክሌኣዊ ናይ ስነ ሜላ ርክባት መድርኽ ኣበርቲዑ ይዓዪ ከምዘሎን ዕለት 21 ለካቲት ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያን ናይ ፈረንሳን ብደረጃ ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሚንስትር ናይ ስልኪ ርክብ ምክያዱ

ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ ናይ ክሌኣዊ ስነ መላ ርክባት ዓለም ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ይንቀሳቐስ ከም ዘሎን ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ከምኡ እውን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ኣብ ሓደ ዋዕላ ክራኸቡ ዝብል ብፈረንሳዊ ብጻዮም ኤማኑኤል ማክሮን ዝቐረበ ሓሳብ ዝሰማምዑሉ ከም ዝመስልን እቲ ርክብ ግና ማዓዝን ኣበይን ገና ከም ዘይተወሰነ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ሩሲያ ንዩክረይን ክትወርር ትቀራረብ ከምዘላን ናይ ሩሲያ ወትሃደራት ኣብ ዶብ ዩክራይን ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ዘርኢ ብሳተላይት ዝተቐርጹ ምስልታት ከም ዘሎ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓድሽ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልክዕ ከምቲ ወተሃደራት ሞስኮ ንዩክራይን ከይወርዋ ዝብል ፍርሂ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ እቲ ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ፑቲንን ርእሰ ብሔርን ባይደንን ክካይድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ክሌኣዊ ዘተ ክውን ዝኸውን ሩሲያ ንዩክራይን እንተ ዘይወሪራ ጥራሕ ምዃኑ ካብ ፈረንሳ መንግስቲ ዝተወሃበ ሓበሬታ እንከመላኽት እቲ ፈረንሳ ክካየድ እተተባብዖ ዘላ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ ኵሎም ቅልውላው ዩክረይን ብቐጥታ ዝምልከቶምን ኣብ ናይ ኤውሮጳ ደሕንነትን ርግኣትን ዘተኰረ እውን ከም ዝኸውን ናይ ፍረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ገሊጾም እቲ ክሌኣዊ ክርብ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 24 ለካቲት ምድላዋት ክጅመር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ቅልውላው ዩክረይን ንምውጋድ ክሌኣዊ ናይ ስነ ሜላ ርክባት መድርኽ ኣበርቲዑ ይዓዪ ከምዘሎን ዕለት 21 ለካቲት ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያን ናይ ፈረንሳን ብደረጃ ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሚንስትር ናይ ስልኪ ርክብ ምክያዱን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሩሲያ ንዩክራይን ክትወርር ትቀራረብ ኣላ ዝብል  ሓድሽ መጠንቀቕታ ከተቕርብ እንከላ ናይ ዓባይ ብሪጣኒያ መራሔ መንግስቲ ቦሪስ ጆንሶን ሩስያ ካብ 1945 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ኤውሮጳ ንዝዓበየ ወግእ ትዳለው ኣላ ከም ዝበሉን ናይ ዩክረይን ሚኒስትር ሓይሊ ምክልኻል፥ “ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጸም ዝተንጠልጠለ መጥቓዕቲ ኣሎ ዝብል ስግኣት” የለን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት

ኣብ ዞባ ዶንባስ ኣብ መንጐ ናይ ሩሲያ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝስዕቡ ዕጡቓትን ናይ ኪየቭ ወተሃደራትን ካብ ሰንበት ናብ ሰኑይ ዘውግሕ ለይቲ ውግእ ምክያዱን በልላሩስ እውን ኣብ ግዝኣታ ምስ ናይ ሩሲያ ሓይሊ ምክልኻል ጣምራዊ ወተሃደራዊ ታዕሊምተካይድ ከም ዘላ መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዘፍለጠን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ሩሲያ ዩክረይን ንኽትወርር ኣብቲ ምስ ዩክረይን ዘዳብዋ ቦታታት ወተሃደራታ ተንቀሳቕስ ከም ዘላ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ምስልታት ኣሎኒ ቢላ መጠንቀቕታ ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

23 Feb 2022, 09:52