ድለ

ዩክረይን፥ ብርታዐ እቶም ካብቲ ቅልውላው ንምልቓቕ ኣብ ጸሎት ዚኣምኑ ዩክረይን፥ ብርታዐ እቶም ካብቲ ቅልውላው ንምልቓቕ ኣብ ጸሎት ዚኣምኑ 

ዩክረይን፥ ብርታዐ እቶም ካብቲ ቅልውላው ንምልቓቕ ኣብ ጸሎት ዚኣምኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝጐድእ ነገር ኵሉ ናይ ጸሎት ሓሳብ እናገበሩ እዮም ዘሰንዩና ኣብዚ መዳይ እውን ህልው ኵነታት ዩክረይን እናሓሰቡ ደጋጊሞም ምእንቲ ሰላም ክጽለ ይዕድሙን ምእንቲ ሰላም ጻውዒት የቕርቡ

ዓለም ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘጋጥም ዘሎ ኵነታትን እንታይ ከፍጠር ኮን ይኸውን ብዝብል ዓቢይ ስንባደ ትልኽ ቢሉ ኣብ ዝከታተለሉ ዘሎ እዋን እቲ ናይ ምወዳእታ ቃል ውግእ ከም ዘይኸውን ተስፋ ዝገብሩ ብዙሓት ኣለዉ። ኣብ ክየቭ ናይ ካቶሊካዊ ምቅስቓስ ቅዱስ ኤጂድዮ ኣባልን ኣብቲ ናይቲ ማሕበር መደባት ዘገልግሉ ዩሪይ ሊፋንሰ፥ ቀዳማይን ንሓዋሩን ንዝዀነ ይዅን ቅልውላው መልሱ ጸሎት ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም። ብርታዐ እቶም ካብቲ ቅልውላው ንምልቓቕ ኣብ ጸሎት ዚኣምኑ ብዙሓት ኣያቶም ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኪየቭ ኮነ ካብተን ካብ ኪቨየር ቀረባን ርሑቕን ዝርከባ ከተማታት ዩክረይን ዝቕመጡ ዜጋታት ብሻቕሎት እያቶም ዝነብሩ ዘለዉ፡ ሕጂ ግን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዋላ ሓንቲ ለውጢ የሎን እቲ ፍርሂ ከም ዘለዉ እዩ ዘሎ፡ ውግእ ናብ ክንባር ምኻድ ማለት እዩ። ንፈርቲ ከዘንብያ ምስማዕ ማለት እዩ። ዝዀነ ይዅን ነገር ከጋጥም ስለ ዝኽእሉ ኣብ ካልኦት ከተማታትን ኣብ ዙርያ ክየቭ ብዙሕ ኣጽዋር ውግእ እዩ ተጻዊዱ ዘሎ። እዚ ክትርኢ እንኰለኻ ትፈርህ እንታይ ኮን ክወርድ እዩ ትብልን ትጭነቕን እውን።

ዘተሓባባር ጸሎት

ውግእ ናይ መወዳእታ ቃል ኪኸውን ኣይክእልን። ስለዚ እውን ዕለት 26 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ኡክረይን እንክብሉ ኣዊጆም ኣብ ኵለን ናይ ምስራቕን ናይ ላቲንን ስርዓት ኣብ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ካልኦት ሃይማኖታትን ተፈጺሙ እዩ። ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዩክረይን ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቭይስቫልዳስ ኩልቦካስ ዝተመርሐ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ዝሳተፈን ብዙሓት መንእሰያትን ገዳማውያንን ካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ዝተረኽብሉ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ተኻይዱ እዩ። ዕለት 20 ለካቲት እውን ኣብ ክየቭ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቪታሊጅ ክሪቪኪጅ ዝመርሕዎ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረያን መደብጸሎት ተፈጺሙ እዩ።

ቅዳማይ መልሲ ወትሩ እውን እቲ መልሲ ጸሎት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝበልዉ ጽቡቕ ድላይ ዘለዎም ሰባት ኵሎም ክሓብሩን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት ክካየድን እዚ ዘለካ ፍልልያት ብዘየገድስ ኵሉ ድኻታትን ኣረጋውያንን መንእሰያትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ሓደ ቤት ክትእከብ እንከለዉ ሓድነት ይህልወካ። እዋን ደው ቢልና ነቲ ህልው ኵነታት እንሓስበሉን ናይ ጸሎት ማእከል እንገብረሉን እዋን እዩ ኢሎም።

ዘሕዝን ፍጻመ እቶም ካብ መረብቶም እተመዛበሉ

ኣብ ውሽጢ ዩክራይን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮም ዝግመት ሕዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበለ እዩ እዚ ኸኣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ዓመታት ዝዀነ እዩ። ብዙሓት እውን መእለዪ ረኺቦም እውን እቲ ዘፍርሕ ግና እቲ ውግእ እንተ ተባሪዑ ናታቶም ጸገም ከግድዶን ካልኦት እውን ናብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከቃልዕ ከም ዝዀነ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኰነን ንመላእ ሕብረተሰብ ዩክረይን ንሓጋ ዘቓልዕ እዩ . . . ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ እውን ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ፍሉጥ እዩ ኢሎም።

ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንረኽቦ ዓቢይ ትምህርቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝጐድእ ነገር ኵሉ ናይ ጸሎት ሓሳብ እናገበሩ እዮም ዘሰንዩና ኣብዚ መዳይ እውን ህልው ኵነታት ዩክረይን እናሓሰቡ ደጋጊሞም ምእንቲ ሰላም ክጽለ ይዕድሙን ምእንቲ ሰላም ጻውዒት የቕርቡ። ውግእ መፍትሒ ግጭትን ዘይርድዳእን ከም ዘይኩነ ይኣምኑን ከእምኑ እውን ከይተሓለሉ ይጽዕሩ። ዓቕምኻን ብቕዓት መሃዝነትካን ኣብ ህንጸት ምትሕብባርን መዳይ ከተውዕሎ እዚዩ ሓያል ይኸውን ውግእን ደብዳባትን ርኢና ኢና ዘስካሕክ ተግባር እዩ። ስለዚህ ፍትሒ ካብ ዘተ ጥራሕ እዩ  እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

24 Feb 2022, 09:12