ድለ

ዶንባስ፥ ኣከራኻሪ ዞባ ዶነክ ዶንባስ፥ ኣከራኻሪ ዞባ ዶነክ 

ዶንባስ፥ ኣከራኻሪ ዞባ ዶነክ

ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ኣብ መንጐ እታ ቀስ ብቐስ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ እትቐርብ ዘላ ምዕራባዊት ዩክራይንን ነዚ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ምባል ኪደት ዘይቅበል ምብራቓዊ ክፍሊ ዩክረይን ፍልልያት እናበኣሰ ክኸይድ ጀሚሩን ብፍላይ ኣብ 2010 ዓ.ም.

ገማግም ዶነትስክ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ብምሉእ ብውሕጅ ዶን ዝስገር ምስ ፈደራላዊት ሩሲያ ዘዳብው ምብራቓዊ ዞባ ኡክራይን ብዙሕ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘለዓዕል ካብ 1700 ዓ.ም. ብማዕድን ፍሓም ኣዚዩ ሃብታ ምዃኑ ዝፍለጥ ኣብ መንጐ ብራቓዊ ዶንባስን ምዕራባዊ ዶንባስ እተኸፋፈለ ኣብ 2014 ዓ.ም. ቅድሚ እቲ ውግእ ምብራዑ ኣስታት 7 ሚሊዮን ዝግመቱ ተቐማጦ እቲ ከባቢ ብኤኮኖሚያውን ቍጠባውን ናብ ምዕባለ ከስተማቕሩ ዝኸኣሉ ምዃኖም እቲ ውግእ ምስ ተባርዔ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ዝግምቱ ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘሳልጡ ውድባት ዝህብዎ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይቲ ዞባ ታሪኽ

ናይ 1917 ዓ.ም. ሶውራ ዞባ ዶንባስ እውን ኣብቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ሩሲያ ዝነበረ ዛራዊ ስርዓት ኣብ ዝተለዓዓለ ናዕቢ ከም ዝሓበረን ዶነክ ኪቮይ ሮግ ብዝብል መጸውዕ ክፍሊ ሶቪየት ሕብረት ኮይኑ ከም ዝጸንሔን ሩሲያ ንመላእ ኪየቨ ናብ ግዝኣታ ከም ዘእተወትን ኣብ ተስስዓታት ድሕሪ ምፍራስ ሶቪየት ሕብረት ኡክራይን ሓዳሽ ሃገር ኰይና ቆይማን ነቲ ቋንቋ ሩሲያ ተጠቃማ ዝኾነ ክፍሊ ናይ ሩሲያ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ዝስዕብ ዞባ ዶንባስ ናይ ርእሰ ምምሕዳር መሰል ኣፍልጦ ሂባትሉ ከም ዝጸንሐት ይንገር።

ብጋሴ ምፍሕፋሕ

ይዅን እምበር ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ኣብ መንጐ እታ ቀስ ብቐስ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ እትቐርብ ዘላ ምዕራባዊት ዩክራይንን ነዚ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ምባል ኪደት ዘይቅበል ምብራቓዊ ክፍሊ ዩክረይን ፍልልያት እናበኣሰ ክኸይድ ጀሚሩን ብፍላይ ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ህዝባዊ መረጻ ናይ ሩሲያ ደጋፊ ያኑኮቪች ብሒደት ድምጺ እውን ይኹን ምስ ሰዓሩ ብኑጹር ዝተራእየ ኵነት እውን ምንባር ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ኣብ ሞንጐ እዘን ክልተ ዞባታት ኡክራይን ክልተ ዓይነት ሃገራውነት መንፈስ እናበርትዐ ከም ዝኸንደን ኣብቲ ዝፈላልየ ንኣብነት ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ቋንቋን መሰረት ዝገበረ ምርሕሓቕ ሱር እናሰደደ ክኸይድ ከም ዝገበረ የመላኽት።

ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝተባርዐ ውግእ

ርእሰ ብሔር ያኑኮኮቪች በቲ ዝካየድ ዝነበረ ብርቱዕ ህዝባዊ ናዕቢ መሰረት ካብ ስልጣኖም ምስ ተሰጒ ንሃገር ዩክረይን ኣይገልጹን ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሓወልትታት ምፍራስን ናይ ጐደናታት ኣስማት ምቕያርን መርሓ ዕለት በዓላት እውን ከይተረፈ ክቕየር ተገይሩን ንምስራቃዊ ዞባ ኡክረይን ተዋሂቡ ዝነበረ መሰል ርእሰ ምምሕዳር ከም እተሰረዘን እዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ምብራቓዊ ዞባ ዝነበረ ሃገራውነት መንፈስ ከም ዘሐየሎን ዕለት 2 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ክሪመያ ደሓር እውን ዕለት 11 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ህዝባዊት ረፓብሊክ ዶነትስክን ህዝባዊት ረፓብሊክ ሉጋንስክ ብዝብል ሃገራዊ ስም ብዘይ ፍቓድን ብዘይ ናይ መንግስቲ ዩክረይን ውሳኔ እቲ ዞባ ባዕሉ ብዘካየዶ ውሳኔ ህዝቢ ቆይመን ከም ሃገር እውን ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ኣይርከባ ዝሓለፈ ዕለት 22 ለካቲት 2022 ዓ.ም. መንግስቲ ፈደራላዊት ሩሲያ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ የዘኻኽር።

ውዕሊ ሚንስክ

ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝተባርዐ ውግእ ንምዝዛም ዕለት 5 መስከረ ኣብ ቤላሩስ ርእሲ ከተማ ሚንስክ ተወከልቲ ዩክረይንን ፈደራላዊት ሩሲያን ከምኡ እውን ነተን ገዛእ ርእሰን ሃገር ቢለን ዝኣወጃ ክልተ ህዝባውያን ረፓብሊካውያን ዞባታት ዝውክሉ ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ድሕንነትን ምትሕብባርን ውድብ ሸምጋልነት ብዝተኻየደ ዘተ እቲ ውግእ ደው ንምባልን ምሩኻት ንምልውዋጥን መንግስቲ ኪየቭ ነተን ርእሰ ናይ ምምሕዳር መሰለ ዝሰረዘለን ክልተ ዞባታት ዳግም መሰለን ከረጋግጽ ዝብል ተበጺሑ ከም ዝነበረን ይኹን እምበር ድሕሪ እዚ ናይ ሚንስክ ውዕሊ ብፍላይ ቶኽሲ ደው ናብ ምባል ስምምዕ ከም ዘይተኸበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 Feb 2022, 16:59