ድለ

ኣብ ብራዚል ብዙሓት ብምዕልቕላቕ ማይን መደራጋሕን ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ኣብ ብራዚል ብዙሓት ብምዕልቕላቕ ማይን መደራጋሕን ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም 

ኣብ ብራዚል ብዙሓት ብምዕልቕላቕ ማይን መደራጋሕን ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም

ናይ ከተማ ሳው ፓውሎ ቤት ምሕደራ ነቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ንምሕጋዝ 2.7 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝሰለዔን ኣብታ 12 ሚሊዮ ተቐማጦ ዝርከብዋ ከተማ ሳው ፓውሎ ብርቱዕ ዝናም ከም ዝዘነመ

ኣብ ብራዚል ብዘጋጠመ ምዕልቓላቕ ማይን መደራጋሕን እንተ ወሓደ 19 ሰባት ከም ዝሞቱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ከም እተመዛበለሉ መራኸብታት እውን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ ቡዝሓት ኣብ ከቢድ ኵነት ከምዝርከቡ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣን ዝሃቦ መገለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ብራዚል ኣብቲ ብዙሓት ተቐማጦ ዝነርብሩሉ ዞባ ሳው ፓውሎ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይን ንደራጋሕን ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ዜጋታት ንሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ከም እተቓልዑን ሓያሎ ሰባት ብዘይ ኣባይቲ ከምዝተረፉን ብዙሓት ከኣ ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ከተማ ሳው ፓውሎ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 28 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ከባቢ ኣየር ነታ ልዕሊ 467 ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኣዚዩ ከም ዘጥቐዔን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ካተማታት ዘጋጠመ መደራጋሕ መሬት  ብዙሓት ከም ዝሞቱን እውን የመላኽት።

ሓገዝ ነቶም ዝተጐድኡ ሰባት

ናይ ከተማ ሳው ፓውሎ ቤት ምሕደራ ነቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ንምሕጋዝ 2.7 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝሰለዔን ኣብታ 12 ሚሊዮ ተቐማጦ ዝርከብዋ ከተማ ሳው ፓውሎ ብርቱዕ ዝናም ከም ዝዘነመ እኳ ክንገር እንከሎ ከቢድ መጒዳእቲ ከም ዘየስዓበን ክንገር እንከሎ ብራዚል ብሰንኪ  ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣትሒዛ ብሕማቕ ኵነታት ኣየር ምኽንያት ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ከቢድ ዕንወት ከም ዘጋጠማን ምሕደራ ከተማ ሳው ፓውሎ ዘካይዶ ዝነበረ ወፈራ ክትባት ጸረ ኮቪድ 19 ከቋርጽ ከም እተገደን ኣብዚ ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እቲ ለብዒ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ውሽጥ ልዕሊ 130 ሺሕ በቲ ለብዒ ከም እተለኽፉን 330 ድማ ከም ዝሞቱ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ዘውጸኦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Feb 2022, 16:56