ድለ

ናይጀሪያ፥ ዕጡቓት ዘረፍቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ሞት ብዙሓት ናይጀሪያ፥ ዕጡቓት ዘረፍቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ሞት ብዙሓት 

ናይጀሪያ፥ ዕጡቓት ዘረፍቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ሞት ብዙሓት

ናይ ግዝኣት ዛምፋራ ኣመሓዳሪ ወሃቢ ቃል፥ ናይቲ ከባቢ ሓለዋ ጸጥታ ገለ ካብቶም ኣጽዋር ዝተዓጥቝ ኣባላት ናይ ገበን ጒጅለታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘእተው ሓቢሮም

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዛምፍራ እትርከብ ግዝኣት ናይጀሪያ ሓንቲ ካብተን ብተደጋጋሚ ጭውያን መጥቓዕትን ዝኸፍአ መጒዳእትን ዝወረደን ዞባታት ከም ዝኾነትን ክንገር እንከሎ፥ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ቍጠባ ንምብዳህን ስርዓታትን ደሕንነትን ውሑስ ንምግባር ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን ካብ መወዳእታ 2020 ዓ.ም. እትሒዙ ጃምላዊ ጭውያታትን ካልእ ዓመጽ ዝመልኦ ገበናትን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀሪያ ግዛኣት ዛምፍራ ኣጽዋር እተዓጥቁ ሰባት ብዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ብውሑድ 30 ሰባት ከም እተቐትሉ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ጸብጻብ ዝሕብሮ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ጒጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ቍሽታት ብዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ፥ ናይታ ሃገር ጸጥታን ደሕንነትን ንኸቢድ ቅልውላው የቃልዑ ከምዘለዉን ኣጽዋር እተዓጥቑ ጒጅለታት ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ ኣቝሻት ብምእታዊ ራዕዲ ከም ዝፈጠሩን መንበርን ኣባይቲ መሸጣን ዝተፈለያ ናይ ሕዝቢ ትካላትን ንጹሓን ዜጋታት ብሓዊ ከም ዘንደዱን ብፍላይ ካብ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዙ መንግስቲ ቅልውላው ቍጠባ ንምብዳህን ሰላምን ደሕንነትን ውሑስ ንምግባር ዘካይዶ ብርቱዕ ቃልሲ ስዒቢ ዝፍጸም ጭውያን ካልእ ዓመጽ ዝመልኦ ገበናትን ኣመና ወሲኹ ከምዘሎ ይንገር።

ናይ ግዝኣት ዛምፋራ ኣመሓዳሪ ወሃቢ ቃል፥ ናይቲ ከባቢ ሓለዋ ጸጥታ ገለ ካብቶም ኣጽዋር ዝተዓጥቝ ኣባላት ናይ ገበን ጒጅለታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘእተው ሓቢሮም ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ብውሑዱ 30 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝገበረሉ ዘሎ መጥቓዕቲ ዝርዝር መግለጺ ከም ዘይሃቡ ዜና ቫቲካን ካብ ናይጀሪያ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፥ ካብቲ ኣደዳ መጥቓዕትን ጨወያን ዝኾነ ግዝኣት ዝወጽእ ዘሎ ዘይተረጋገጹ ምንጭታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ብዙሓት ቝሸታት ብዙሓት ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ንጹሓን ዜጋታት ኣደዳ ሞትን ማሕሰይትን ከም ዝኾኑን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

10 January 2022, 17:05