ድለ

ኣብ 2021 ዓ.ም. 22 ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐት ጸብጻብ ፊደስ ይሕብር! ኣብ 2021 ዓ.ም. 22 ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐት ጸብጻብ ፊደስ ይሕብር! 

ኣብ 2021 ዓ.ም. 22 ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐት ጸብጻብ ፊደስ ይሕብር!

ብጀካ እቶም ብወግዒ ዝፍለጡን ዝተገልጹን ብዙሓት ስሞም ዘይፍለጥ ብክርስትና እምነቶም ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም መከራ ዝወርዶምን ዝቕተሉን ብዙሓት ከምዝኾኑ

ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ 2021 ዓ.ም. ብዘስካሕክሕ መገዲ ዝተቐትሉ ብዝሒ ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ዘማእከለ ጸብጻብ ከም ዘቕረበን ብዝሒ እቶም ዝተቐትሉ ብጠቕላላ 22 ከም ዝኾነን መብዛሕቲኦም እውን ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ዝተቐትሉ ምዃኖም ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም 13 ካህናት 1 ሓው 2 ደናግል 6 ዓለማውያን ምእመናን ናይ ደም ሰማዕትነት ከም እተቐበሉን እቶም 11 ኣብ ኣፍሪቃ 7 ኣብ ላቲን ኣመሪካን 3 ኣብ እስያ 1 ኣብ ኤውሮጳ  ብጠቕላላ ዕስራን ክልተን ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ከም እተቐትሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዘውጸኦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጀካ እቶም ብወግዒ ዝፍለጡን ዝተገልጹን ብዙሓት ስሞም ዘይፍለጥ ብክርስትና እምነቶም ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም መከራ ዝወርዶምን ዝቕተሉን ብዙሓት ከምዝኾኑ እቲ ጽብጻብ ሓቢሩ፥ ንኣብነት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ግጭት 16 ካቶሊካውያን ሰራሕተይናታት ከም እተቐትሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

06 Jan 2022, 10:40